እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ 'እቲ ዝኸፍአ ግዜ ካብ ጥሪ ንደሓር'ዩ'
ወይዘሮ ጠዓሞ ሓድሽ፡ እተን ጸባን ጠስምን ብምሃብ ስድራ ዘንግላ ከብቲ፡ ኰናትል እኽሊ ዝሕፈሶ ግራት ዝሓርሱ ዝነበሩ ጽምዲ ኣብዑር ዅርምይ ኢሎም ክትርኢ እንከላ፡ እቲ ጽባሕ ዝበሃል መጻኢኣ ማዕረ እቲ ዝረገጸቶ መሬት ድርቕ ኢሉ እዩ ዝርአያ።
"ተኣሲረን ዝበልዓኦ የብለንን፤ ዓቢረን እየን፡" ክትብል ብጓሂ ትዛረብ።
እቲ ስድራኣ ንምቕላብ ክሕረስን ክዝራእን ዝግብኦ ዝነበረ ተሓራሳይ መሬታ'ውን ሎም ዘበን ኣይጠዓሞን።
ኣብ ዞባ ደቡብ ትግራይ ነባሪት ወረዳ ራያ ዓዘቦ ጣብያ ሓወልቲ ዝዀነት ጠዓሞ፡ ብሰንኪ ሕጽረት ዝናብን ቀለብ እንስሳን ሰብን እታ ወረዳ ኣብ ጸገም ምውዳቝ እያ ትዛረብ።
"ዓመት ምሉእ ዝናብ ኣይርኣናን፤ እንስሳና ዝበልዕኦ ስኢነን እናሞታ ይድርበያ ኣለዋ፡" ክትብል ተስቈርቍር።
ኣብዚ ዓመት ብሰንኪ ተርእዮ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ክፋል ኢትዮጵያ፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ከም ዝሓጸሮም ጸብጻባት ትካል መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ።
ከም ውጽኢቱ ድማ፡ ደርቅን ድኹም ዝናብን ኣጋጢሙ ምህላው ሓረስቶትን ክኢላታት ሕርሻን ይገልጹ ኣለዉ።
ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ብፍላይ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ብሰንኪ ተኸታታሊ ግጭታት ሕርሻዊ ወቕትታት 21 ወረዳታት ኣብ ትሕቲ ከቢድ ስግኣት ጥሜት ከም ዝርከብን 2.45 ሚልዮን ሰባት ህጹጽ ናይ መግቢ ሓገዝ ከም ዘድልዮምን ይፍለጥ።
ጽልዋ እቲ ደርቂ ድሮ ክርአ ከም ዝጀመረ ዘመልከተ ብ10 ነሓሰ 2026 ዝወጽአ ጸብጻብ መግብን ሕርሻን ሕቡራት ሃገራት፡ ኣብ ከባቢ ያቐር (ክልል ዓፋር) ጥራይ ብሰንኪ ሕጽረት ማይን መግቢ ጥሪትን ልዕሊ 18,000 ከብቲ ምማተን ይገልጽ።
ኣብ ሰለስተ ዞባታት ክልል ትግራይ ዝርከቡ ሓረስቶት ብኸቢድ ሕጽረት ዝናብ ተጠቒዖም ብምህላዎም፡ ኣብ ልዑል ጭንቅን ሻቕሎት ቀለብ ሰብን እንስሳን ወዲቘም ይርከቡ።
ነዚ ስዒቡ፡ ኣብ ዞባታት ደቡብ፡ ደቡብ ምብራቕን ማእከላይን (ብኸፊል) ደርቂ፡ ኣብ ገለ ዝናብ ዝጀመረሎም ወረዳታት ድማ ከቢድ ሓደጋ በረድን ውሑጅን ዝርኣየሉ ኵነታት ከም ዘሎ ንምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።
ካብ መጀመርታ እዚ ዓመት (2026) ኣትሒዙ ተመራመርቲ ሕቡራት ሃገራት፡ ሓድሽ ምዕራፍ ናይቲ ተፈጥሮኣዊ ክስተት ኵነታት ኣየር ዝዀነ ኤል ኒኖ "ኣብ ኣፍ ደገ ገዛና'ዩ" ክብሉ ጸኒሖም።
ሓያሎ ትንበያታት ትካላት ኵነታት ኣየር፡ እዚ ኤል ኒኖ ኣብ መወዳእታ ሓደ ካብቶም ክሳብ ሕጂ ዝተመዝገቡ ሓያላት ኰይኑ ክውዳእ ይኽእል እዩ። ብገለ ተንተንቲ፡ "ሱፐር" ወይ "ጎድዚላ"- 'Godzilla'- ዝብል መጸውዒ ሂቦምዎ ኣለዉ።
እዚ ድማ ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል ዓለም ዝያዳ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ከም ዘስዕብ ውድብ ሜትሮሎጂ ዓለም ይገልጽ።
ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኢትዮጵያ ኣብ ግንቦት ኣብ ዘውጽኦ ትንበያ ክረምቲ፡ ከባቢታት ዞባታት ደቡብን ምብራቕን ትግራይ፡ ሰሜንን ደቡብን ወሎ፡ ዞባታት ክልል ዓፋርን ምብራቕ ኢትዮጵያን ትሕቲ ስሩዕ ዝርግሐ ዝናብ ከም ዝህልዎም ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብ ነሓሰ ግን ሰሜን ምብራቕን ምብራቓዊን ክፋል ኢትዮጵያ ደረቕ ከም ዝኸውን ጠቒሱ'ዩ።
'መናዕ ገማዕ መበሊ የብልናን'
"ከምዚ ዝበለ ደርቂ ርኢና ኣይንፈልጥን፤ ዝናብ የለን። ኣብ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ዝዀነ ዓመት ኢና ዘለና፡" ይብል ኣብ ዞባ ምብራቕ ወረዳ ኢሮብ ነባሪ ጣብያ ዓሊተና ዝዀነ ሓረስታይ ኣለም ምስግና።
እቲ ወረዳ ጸድፊ ዝበዝሖ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣ ዘለዎ ብምዃኑ፡ ዝናብ ክረምቲ ብዘይምህላው ብሰንኪ ሕጽረት ቀለብን ዝስተ ማይን እንስሳታት ይሞታን ተቓላዕነት እቲ ሕብረተሰብ ይውስኽን ከም ዘሎ ነበርቲ ይገልጹ።
ኣቶ ኣለም፡ "ብዓይኒ ዝርአ ጸገም'ዩ ዘለና፤ እዚ ወቕቲ ብዙሕ ኣዝመራ ዝነበሮ እዩ። ሎም ዘበን ግን ፍሉይ ደርቂ ኣሎ። እግዚኣብሄር ክርእየና ይኸዉን እምበር፡ ንሕና እንሓስቦ ነገር የለን፡" ብምባል ኣብ ተስፋ ምቝራጽ ከም ዘእተዎም ሓቢሩ።
መብዛሕትኡ ሕብረተሰብ፡ ኣቐዲሙ ኣብ ውሽጢ ድኽነትን ሕጽረት ውሕስነት መግብን ንዝርከብ ማሕበረሰብ ዝቐርብ ፕሮግራም ልምዓት ሴፍትነትን ህጹጽ ረድኤትን ዝጸንሐ ምዃኑ ነበርትን ሰብ መዚን እቲ ክልል ገሊጾም።
ኣብ ወረዳ ኢሮብ ጣብያ ደውሃን ዝነብር ሓረስታይ ምሩጽ በየነ፡ እዚ ሓገዛት ደው ከም ዝበለ ብምግላጽ፡ "እንስሳ ካብ ዝወፈርኦ ናብ ገዛአን ኣይምለሳን፣ ኣጨኒቑና እዩ ዘሎ፡" ኢሉ።
ኣራዕ፡ ወርዓትለ፡ እንዳ ኣርሆ፡ ማዕቑማ፡ ሰብዓ ታብ ኣብ ዝተባህላ ከባቢታት እንስሳት ይሞታ ምህላወን ይጠቅስ።
"ኣብ ሓጋይ እንታይ ኢና ክንከውን ዝብል ተስፋ ምቝራጽን ስግኣትን እዩ ዘሎ፡" ይብል ኣቶ ምሩጽ።
እዚ ኣብ ካልኦት ወረዳታት ዞባ ደቡብን ደቡብ ምብራቕን'ውን ዝርአ ዘሎ ኣሰካፊ ሻቕሎት እዩ።
ሓላፊት ቤት ጽሕፈት ጽላት ቍጠባ ወረዳ ራያ ዓዘቦ ወዘይሮ ኣለም ኣሰፋ፡ ኣብታ ወረዳ ልዕሊ 280 ሽሕ እንስሳ፡ 156 ሽሕ ህዝብን 26 ሽሕ ሄክታር ተሓራሳይ መሬትን ከም ዘሎ ተረድእ።
እንተዀነ ኣስታት 15 ሽሕ ሄክታር መሬት ማሸላ ጥራይ ተዘሪኡ'ኳ እንተነበረ፡ እዚ ኣብ ሓደጋ ወዲቑ ምህላዉ ትገልጽ።
ኣብ ምምሕዳር ወረዳ ራያ ዓዘቦ 112 ሽሕ እንስሳ ኣብ ሓደጋ ከም ዝወደቓ ብምጥቃስ፡ ኣስታት 67 ሽሕ ነበርቲ ኣሸጋሪ ኵነታት ኣጋጢምዎም ምህላው'ያ ትገልጽ።
"እንስሳና ብምራን እየን ዝለዓላ ዘለዋ፤ ኣብ ባይታ ኰይንኺ ትሓትኒ ምሃለኺ ምነባዕኺ፤ ንኽትርእዮ ዘስግእ ስለ ዝዀነ። ማይ ከርሰ ምድሪ ጎዳጕዲ ዓቕሙ ቀኒሱ'ዩ፤ ጠቕላላ እንስሳና ኣብ ማይ ጽምእን ጥምየትን እዩ ዘሎ፡" ኢላ።
ምኽትል ዳይሬክተር ኢንስቲትዩት ሜትሮሎጂ ኣሳምነው ተሾመ ምስ ማዕከን ዜና ሲጂቲኤን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መጠይቕ፡ ኣብ መብዛሕትኡ ክፋል እታ ሃገር ስሩዕን ትሕቲ ስሩዕን ዝርግሐ ዝናብ ከም ዝህሉ ተገሚቱ ብምንባሩ ኣብ ሕርሻ ጽልዋ ካብ ምሕዳር ብዝሰገረ ሕጽረት ማይ ከስዕብ ከም ዝኽእል ገሊጹ ነይሩ።
በይነ መንግስታት ውድብ ልምዓት ምብራቕ ኣፍሪቃ (ኢጋድ)፡ ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ ረድኤት ሕቡራት ሃገራት፡ ትካል መግብን ሕርሻን (ፋኦ) ዝርከቡዎም ኣስታት ሸሞንተ ኣህጕራዊ ትካላት ኤል ኒኖ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ፍሉይ ጽልዋ ከሕድር ከም ዝእኽል ኣጠንቂቘም'ዮም።
እዚ ድማ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራን ጅቡትን ኣብ ዝርከብአን ሃገራት እቲ ዞባ ትሕቲ ስሩዕ ዝናብ ከም ዘጋጥመን የመልክቱ።
ብደረጃ ዓለም ተርእዮ ኤል ኒኖ ክሳብ መወዳእታ 2027 ንተወሰኽቲ 49 ሚልዮን ሰባት ንኸቢድ ጥሜት ከቃልዕ ከም ዝኽእል ሕቡራት ሃገራት ከጠንቅቕ ከሎ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ እዚ ተርእዮ'ዚ ኣብ 45 ናብ ሓደጋ ዝተቓልዓ ሃገራት ዘሎ ብዝሒ ተጸበይቲ ረድኤት ብ22 ሚእታዊት ብምውሳኽ ናብ 274 ሚልዮን ከብጽሖ ይኽእል ይብል።
ብ10 ነሓሰ 2026 ዝወጽአ ጸብጻብ ፋኦ፡ ኢትዮጵያ ብሰንኪ ተደጋጋሚ ለውጢ ኵነታት ኣየርን ግጭታትን ጸገም ውሕስነት መግቢ የጋጥማ ከም ዘሎ ብምምልካት፡ ብፍላይ እቲ ልዕሊ 70 ሚእታዊት ሃገራዊ ፍርያት ዝሽፍን ዓውዲ ሕርሻ ኣብ ዓቢ ስግኣት ወዲቑ ይርከብ ኢሉ።
እቲ ጸብጻብ፡ "ማእከላይ ክፋል እታ ሃገር፡ ሰሜን፡ ሰሜናዊ ምብራቕን ምብራቕን ዝርከቡ ከባቢታት ዝናብ ክረምቲ ስለ ዝሓጸሮም፡" እቲ ጸገም ክጋደድ ምዃኑ የጠንቅቕ።
ብኣንጻሩ ድማ ኣብ ደቡብን ደቡባዊ ምብራቕን ቆላታት ኢትዮጵያ ከቢድ ዝናብን ዕልቕልቕን ከጋጥም ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
ኣብ ትግራይ ኣንጸላልዩ ዘሎ ስግኣት ሓድሽ ረጽሚ ማእከላይ መንግስትን መራሕቲ ህወሓትን ድማ፡ ነቶም ድሮ ብሕጽረት ዝናብን ደርቅን ኣብ ዝተጠቕዓ ከባቢታት ዝነብሩ ዘለው ሓረስቶት ተወሳኺ ስግኣት ድሕነትን ምድራት ምንቅስቓስን ኣስዒቡሎም ከም ዘሎ ይዛረቡ።
ፖለቲካዊ ወጥሪታት ዘሕደሩዎ ስክፍታ
"ምስ ስእነት ሰላም ህዝብና'ውን ከይንስእኖ ንሰግእ፣ መናዕ ገማዕ መበሊ ኢና ዘይብልና፡" ትብል ወይዘሮ ኣለም።
ሓረስታይ ጠዓሞ ብወገና፡ ኣብ ሕሉፍ ተመሳሳሊ ጸገማት ኣብ ዘጋጥመሉ ዝነበረ እዋን፡ እቲ ገባር ዝናብ ኣለዎ ናብ ዝብሃል ከባቢ ጥሪት ሒዙ ምኻድ ንቡር'ኳ እንተነበረ፡ "ሕዚ ግን ናይ ሰላም ሃዋህው ስለ ዘየለ፡ ኣብ ዓዱ ተዀርምዩ እዩ ዘሎ፡" ኢላ።
እቲ ኣብ መወዳእታ 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ መንጎ ሰራዊት ፈደራልን ህወሓትን ንኽልተ ዓመታት ዝተኻየደ ደማዊ ኲናት ብስምምዕ ፕሪቶሪያ ብወግዒ ካብ ዘኽትም ሰለስተ ዓመታት እኳ እንተሓለፈ፡ ትግራይ ዛጊት ናብቲ ቅድመ-ኲናት ዝነበረቶ ቍመና ክትምለስ ኣይከኣለትን።
ሓላፊ ቢሮ ሕርሻን ሃብቲ ተፈጥሮን ትግራይ ኣለምብርሃን ሃሪፈዮ፡ "ፖለቲካውን ጸጥታውን ኩነታት ከምዚ ኢሉ እንተቐጺሉ፡ ናይቲ ጸገም ክብደት ብቐንዱ ካብ ቀጻሊ ጥሪ 2019 ጀሚሩ ክሳብ ጥሪ 2020 (ኣ.ግ) ዘሎ እዩ ክኸዉን፡" ዝብል ስክፍታኡ ይገልጽ።
ንሱ ወሲኹ፡ ሓረስቶት ቀለብ ሰብን እንስሳን ዝኣኻኽብሉ ግዜ ካብ ጥሪ ንድሓር ምዃኑ ብምዝኽኻር፡ እቲ ዝኸበደ ጸገም ንቕድሚት ከም ዘሎ የተሓሳስብ።
"ደርቂ 1977 ተባሂሉ ይውጋዕ'ዩ፤ ሽዑ፡ እቲ ዝናብ ሕጽረት 76 እዩ ነይሩ፡ 77 ድማ ዝናብ ነይሩ። ስለዚ ናይቲ 76 ዝነበረ ሽግር'ዩ ኣብቲ ዝቐጸለ ዓመት ተንጸባሪቝ፡" ይብል።
ኣብ መንጐ ማእከላይ መንግስትን ሰብመዚ እቲ ክልልን ዘሎ ዝምድና ንጹር ኣብ ዘይኰነሉ እዋን፡ ናብቲ ክልል ዝቐርቡ ዝነበሩ ሓገዛት ተቛሪጾም፡ ወረዳታትን ምምሕዳራትን ብሕጽረት ባጀት ይሽገራ ከም ዘለዋን'ዮም ሰብስልጣን ዝገልጹ።
"ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ተጠቃሚ ሴፍትነት ህዝቢ'ውን ሓገዝ ኣይረክብን ዘሎ። ክሳራታት ናይቲ ዝሓለፈ ኲናት ኣይተሓከመን፤ ናይ ሕውየት ስራሕ ስለ ዘይተሰርሐ፡ እቲ ናይ ሕርሻ ቍጠባ ቁሱል እዩ ዘሎ፤ እዚ'ዩ ድማ ዝያዳ ነቲ ደርቂ ተቓላዕቲ ዝገብረና ዘሎ፡" ይብል ኣቶ ኣለምብርሃን።
ካብዚ ብዝሰገረ፡ እቲ ክልል ነቲ ኲናት ስዒቡ ዝበዝሐ ተሓራሳይ መሬት ዝነበሮ ዞባ ምዕራብ ትግራይ ካብ ቍጽጽሩ ወጻኢ ኰይኑ ኣብ ዘለወሉ ግዜ፡ "ልዕሊ 600 ሽሕ ሄክታር ተሓራሲ መሬት ኣብ ኢድና የለን፡" ብምባል እዚ ኮሪደር ልምዓት ዓቢይ ዓቕሚ ነባሪ እቲ ክልል ምንባሩ ይዛረብ።
ምዕራብ ትግራይ፡ ካብቶም መንግስቲ ክልል ኣምሓራ ሕቶ ይግብኣኒ ዘልዕለሎም ከባቢታት ትግራይ ሓደ ኰይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር እቲ ክልልን ሓይልታቱን ከም ዝርከብ ይግለጽ።
"ኤልኒኖ- ሱፐር ኢልኒኖ- ዘለዎ ደርቂ ገጢሙና ኣሎ፤ ስለዚ ንዓና 'ኤልኒኖ ፕላስ' እዩ። ምስቲ ዝነበረ ድኽነትን ተደራራብቲ ጸገማትን እቲ ቍጠባ ተነቃፊ ይኸውን ኣሎ፡" ኢሉ።
እዚ ጸገማት ፍታሕ ክሳብ ዝረክብ ሓረስቶት "ህይወት ሰብ ንከይሓልፍ ግን ናይ ዓርሰ ምርኰሳ ስራሕቲ ንሰርሕ ኣለና፡" ክብል ኣቶ ምሩጽ ተዛሪቡ።
ኤልኒኖ እንታይ እዩ?
ኤልኒኖ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ክሳብ ሸውዓተ ዓመት ዝኽሰት ኰይኑ መብዛሕትኡ ግዜ ንኣስታት ሓደ ዓመት ዝጸንሕ እዩ።
እቲ ኣብ ሰለማዊ ውቅያኖስ ካብ ምብራቕ ናብ ምዕራብ ዝነፍስ ንፋሳት ዝዳኸም ዘሎ ኰይኑ፡ ዝምለሰሉ ኵነታት'ውን ተራእዩ'ዩ።
እቲ ካብ ውቅያኖሳት ወጺኡ ናብ ከባቢ ኣየር ዝልቐቕ ሙቐት፡ ዓለማዊ ሙቐት ብምውሳኽ ንወቕቲ ዝናብ ይቕይሮ።
ተመራመርቲ፡ ኤል ኒኖ፡ ማእከላይ ሙቐት ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ 0.5 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ወይ ልዕሊኡ ምስ ዝውስኽ ከም ዘጋጥም ይገልጹ። እዚ ድማ ኣንፈት ንፋሳት ክቕይር፣ ንኣገባብ ጠሊ ዘለዎ ወቕቲ ክቕይርን ይኽእል።
እቲ ሕጂ ዘሎ ልዕሊ 2 ዲግሪ ሴንቲግሬድ እዩ። ቤት ጽሕፈት ሜትሮሎጂ ዓባይ ብሪጣንያ ኣብ መወዳእታ እዚ ዓመት ሙቐት 3 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ክበጽሕ ከም ዝኽእል ይገልጽ። እዚ ድሕሪ 1950ታት ዝለዓለ ደረጃ ክኸውን ይኽእል እዩ፤ ካብ መበል 19 ክፍለ ዘመን ጀሚሩ ድማ ዝሞቐ ክኸውን ይኽእል እዩ።
ካልኦት ጕጅለታት ክሊማ፡ ልዕሊ 4 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ሙቐት ክምዝገብ ከም ዝኽእል ኣተንቢሆም ኣለው።
ኣብ መወዳእታ ናይዚ ዓመት ከጋጥም ምዃኑ ዝተገመተ ፍጻመ ኵነታት ኣየር ኤል ኒኖ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ደርቅን ውሕጅን ሓዊሱ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ከምጽእ ዝኽእልን ምዃኑ ተመራመርቲ ይገልጹ።
ባይቶ ስደተኛታት ዴንማርክ ብ25 ነሓሰ ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ኣብ ሶማልያ፡ ኬንያ፡ ደቡብ ሱዳንን ኡጋንዳን ብዘጋጥም ዕልቕልቕ ክሳብ ሰለስተ ሚልዮን ሰባት ክመዛበሉ ከም ዝኽእሉን ክጽለዉ ከም ዝኽእሉ ኣጠንቂቑ።
ኣብ 2023 ኣብ መላእ እቲ ዞባ ውሕጅ ዘጋጠመሉ እዋን፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ሰባት ተመዛቢሎም። ባይቶ ስደተኛታት ዴንማርክ፡ እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ተርእዮ ኵነታት ኣየር ዘስዕቦ ጽልዋ ዝኸፍአ ትንበያ፡ ኣብ ሶማልያ፡ ኬንያን ደቡብ ሱዳንን ሓዊሱ ኣብ ዓመታት ዝኸበደ ውሕጅ ከስዕብ ከም ዝኽእል ይገልጽ።
ለውጢ ክሊማ ነዞም ፍጻመታት ዝያዳ ክሕይሉ ወይ ክደጋገሙ ይገብሮም ምህላዉ ክሳብ ሕጂ ዘረጋግጽ ውዱእ መርትዖ የለን። እንተዀነ ዓለም ትውዒ ምህላዋ እቶም ሳዕቤናት ክዛይዱ ምኽንያት ክኸውን ይኽእል እዩ።