እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ኦፌኮ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌ ንዘጋጠመ ጐንፂ ኣመልኪቱ ንመንግስቲ ነቒፉ

ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንፂ ከተማ ሞያሌ ብዝምልከት ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ። እቲ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ብቀዳም 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌን ዞባ ቦረናን "እናተጋደደ ዝመፅአ መጥቃዕቲ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሸሊኾም ምእታውን ኢ-ሕገመንግስታዊ ለውጥታት ምምሕዳርን" ኰኒኑ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንፂ ከተማ ሞያሌ ብዝምልከት ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ
  • ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወቡላ ከተማ ሞያሌ፡ ናይ ክልል ሶማሌ ባንዲራ ኣብ ከተማ ሞያሌ ምስቃሉ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 08 ጥቅምቲ እዩ እቲ ጎንፂ ተወሊዑ
  • መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ሓዊሱ ብዙሓት ንብረታት ከም ዝተቓፀሉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም
  • ብሰንኪ እቲ ጎንፂ፡ ብውሕዱ 10 ሽሕ ነበርቲ ናብ ኬንያ ከም ዝሃደሙ ሓደ ምንጪ ቀይሕ መስቀል ከም ዝተዛረበ ኤኤፍፒ ብቀዳም ፀብፂቡ

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ሱዳን፡ ሓደ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕ ምስ ወተሃደራቱ ናብ ሰራዊት መንግስቲ ከም ዝተጸምበረ ተገሊጹ

    ኣብ ሱዳን፡ ኣዛዚ ፍሉይ ስርሒታትን ፍሉይ ልኡኻትን ዕጡቕ ሓይሊ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝነበረ ሌተና ኮሎነል መሓመድ ኣዝራቕ ኣል-ፈንጃሪ፡ ምስ ኣስታት 300 ኣዘዝትን ወተሃደራትን 30 ናይ ውግእ መካይንን ብምሓዝ ካብቲ ጕጅለ ተፈልዩ ናብ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸምበረ ኣገልግሎት ዜና ኣናዶሉ ናይ ቱርኪ ሓቢራ።

    እቲ ላዕለዋይ ኣዛዚ ኣብ ማዕከናት ዜና ሱዳን ኣብ ዝተዘርግሐ ናይ ቪድዮ መልእኽቲ፡ እዚ ስጕምቲ ዝወሰደ ነቲ “ትርጕም-ኣልቦ ኲናት” ብዕምቈት ድሕሪ ምግምጋሙ ኰይኑ፡ ንሰላምን ደም ህዝቢ ሱዳን ንምዕቃብን ከም ዝመረጸ ኣፍሊጡ።

    ኣል-ፈንጃሪ ወሲኹ፡ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ንብረቶምን ዝተፈጸመ ግፍዒ ኵሉ ከም ዝዅንን ብምግላጽ፡ ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዙ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ውግእ ጕድኣት ንዝወረዶም ስድራቤታት ሱዳን ይቕረታ ሓቲቱ።

    ኣል-ፈንጃሪ ነዚ ግጭት “ዕላማን መጻእን ዘይብሉ ኲናት” ክብል ብምግላጽ፡ ካልኦት ኣባላት ዳዕመ-ሰሪዕ’ውን ካብቲ ውግእ ወጺኦም ኣብ ጐድኒ ሰራዊት ሃገሮም ብምስላፍ ተወሳኺ ደም ምፍሳስ ደው ከብሉ ጸዊዑ።

    እዚ ናይ ኣል-ፈንጃሪ ምፍንጫል፡ ኣብ ውሽጢ ዳዕመ-ሰሪዕ ዝተራእየ ናይ መጀመርታ ኣይኰነን። ቅድሚ ሕጂ ኣብ ጥቅምቲ 2024፡ ኣብ ግዝኣት ኣል-ጀዚራ ላዕለዋይ ኣዛዚ ዳዕመ-ሰሪዕን መራሒ ሓይልታት ‘ዋልታ ሱዳን’ን ዝነበረ ኣቡ ዓግላ ከይከል፡ ምስ ሰራዊቱ ካብቲ ዕጡቕ ሓይሊ ተፈልዩ ናብ ሰራዊት ሱዳን ምጽምባሩ ይዝከር።

    እዚ ስጕምቲ፡ ኣብ ማእከላይ ሱዳን ንዳዕመ-ሰሪዕ ዓቢ ክሳራ ዘስዓበ ምዃኑ ተገሊጹ ነይሩ።

    ብተመሳሳሊ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን’ውን ካብቲ ምስ ዳዕመ-ሰሪዕ ተሻሪኹ ዝቃለስ ዝነበረ ‘ምንቅስቓስ ሓይልታት ሓርነት ሱዳን’ ዝተፈልዩ ብመሓመደይን እስማዒል ኣቡ ዛራ ዝምርሑ ልዕሊ 100 ተዋጋእትን ኣዘዝትን፡ ምሉእ ዕጥቆምን ናይ ውግእ መካይኖምን ሒዞም ኣብ ሰሜን ዳርፉር ኣብ ግንባር ቲና ናብ ሰራዊት ሱዳን ከም ዝተጸምበሩ መንግስቲ ሱዳን ኣፍሊጡ ነይሩ።

    ይዅን`ምበር፡ እቲ ኣል-ፈንጃሪ ሒዝዎም ወጺኡ ዝተባህለ ብዝሒ ወተሃደራትን ናይ ውግእ መካይንን ብናጻ ኣካል ክረጋገጽ ኣይተኻእለን።

    ዳዕመ-ሰሪዕ ብዛዕባ’ዚ ዝወጽአ መግለጺ ክሳዕ ሕጂ ዝሃቦ ወግዓዊ ምላሽ የሎን። ቅድሚ ሕጂ ግና ዳዕመ-ሰሪዕ ከምዚ ዝበሉ ናይ ምፍንጫል ዜናታት ብሰራዊት ሱዳን ዝተወደበ ናይ ፕሮፓጋንዳ ጐስጓስ ምዃኖም ገሊጹ ነይሩ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ዝካየድ ዘሎ ውግእ ኣብ ዞባታት ዳርፉር፡ ካርቱም ከምኡ’ውን ኮርዶፋን ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።

    ሕቡራት ሃገራትን ዓለምለኻውያን ተሓለቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ካብ ምያዝያ 2023 ኣትሒዙ ኣብ ሱዳን ኣብ ዝካየድ ዘሎ ግጭት፡ ክልተኦም ወገናት ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባት ደብዳብ ብምክያድን ገበናት ኲናት ብምፍጻምን ብተደጋጋሚ ይኸስዎም እዮም።

  2. ኢትዮጵያ፡ ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ ምኽረ-ሓሳባቱ ንህዝቢ ከየግሃደ ንፓርላማ ኣረኪቡ - ስለምንታይ?

    ኣብ ኢትዮጵያ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሑን ጠንቂ ግጭት ዝዀኑን ዘይምርድዳኣት ብሰላማዊ ዘተ ንምፍታሕ ዝቘመ 'ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ'፡ እታ ሃገር ኣብ ውሽጣዊ ግጭታት ኣብ እትርከበሉ እዋን ወግዓዊ ናይ ስራሕ ግዚኡ ዛዚሙ።

    እዚ ብ24 ታሕሳስ 2014 (ግ) ብኣዋጅ ዝቘመ ኮምሽን፡ ኣብ መጀመርታ ናይ ሰለስተ ዓመታት ዕድመ ስራሕ እዩ ተዋሂብዎ ነይሩ።

    ይዅን እምበር፡ ስርሑ ኣብቲ ዝተወሰነሉ እዋን ብዘይምዝዛሙ፡ ቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ ብ11 ለካቲት 2017 (ግ) ኣብ ዘካየዶ ህጹጽ ኣኼባ፡ ፈለማ ንሓደ ዓመት ድሒሩ ድማ ንተወሳኺ 8 ኣዋርሕ ናይ ስራሕ ግዚኡ ንኸናውሕ ወሲኑ።

    እቲ ኮምሽን ኣብቲ ን4 ዓመትን 8 ኣዋርሕን ዝወሰደ ግዜኡ፡ ካብ ምድላው ጀሚሩ ኣጀንዳታት ናይ ምእካብ፡ ሃገራዊ ዘተ ናይ ምክያድን ምኽረ-ሓሳባት ናይ ምቕባልን ሰፊሕ ስርሓት ከም ዘካየደ እዩ ዝንገር።

    ኣብ መወዳእታ ድማ፡ ኣስታት 4,000 ተሳተፍቲ ኣብ ዝተረኸብዎ ጉባኤ ዝቐረቡ 394 ምኽረ-ሓሳባት ንቤት ምኽሪ ወከልቲ ህዝቢ፡ ከምኡ'ውን ምስ ክልላት ዝተኣሳሰሩ ኣጀንዳታት ነቶም ክልላት ብ23 መስከረም 2019 (ግ) ኣረኪቡ እዩ።ምሉእ ትሕዝቶ፡ ኢትዮጵያ፡ ኮምሽን ሃገራዊ ዘተ ምኽረ-ሓሳባቱ ንህዝቢ ከየግሃደ ንፓርላማ ኣረኪቡ - ስለምንታይ?

  3. ደግሲ ኵነተ-ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘቕረባኦ ጥርዓናትን ግደ ማሕበረሰብ ዓለምን

    ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኤርትራ ድሕሪ ምጽግዑ ኣብ ዶባት ክልቲአን ሃገራት ከቢድ ወጥሪ ሰፊኑ ከምዘሎ ይፍለጥ።

    ብፍላይ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣብ ውሽጢ ትግራይ፡ ኣብ መንጐ ብህወሓት ዝምርሑ ሓይልታትን ሰራዊት መንግስቲን መሻርኽቱ ዝዀኑ ትግራይ ሓይሊ ሰላም ተባሂሎም ዝጽውዑ ዕጡቓትን ዝቕጽል ዘሎ ውግእ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ፈለማ ኢዱ ከም ዝሓወስሉ'ዩ ዝንገር፡ ዋላ'ኳ ኣስመራ ብንጹር እንተዘይተኣመነትሉ ወይ እንተዘይከሓደቶን።

    ብወገን ኣዲስ ኣበባ'ውን እቲ ኣብ ትግራይ ተባሪዑ ዘሎ ኲናት ኣብ ዶባት እታ ሃገር ጥራይ ተሓጺሩ ከምዘይተርፍን ክሳብ ኣፍደገ ባሕሪ ንምውሓስ ክውርወር ከምዝኽእል'ዩ ክቃላሕ ጸኒሑ።

    ሰብመዚ ክልቲአን ሃገራት ዘለዎም ዘይምስምማዕ ብንቡርን ግሉጽን ዲፕሎማስያዊ ልዝብ ኣብ ክንዲ ምፍታሕ፡ ንዘለዎም ዘይምቅዳው ክሳብ ዝትኮስ ኣብ ወውሽጦም ዓብዒቦሞ'ዮም ጸኒሖም- ካብ ህዝቢ ዝተኸወለ'ዩ ነይሩ።

    ካብ 2023 ጀሚሩ ግን፡ ኣብ መንጐ እቶም ኣብ ክረምቲ 2018 ንዓለም መስተንክር ዝዀነ ስምምዕ ሰላምን ምሕዝነትን ዝፈረሙ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂን ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድን ዝተፈጥረ ጋግ ብዝተፈላለየ ኣገባብ በጨቕ ክብል ጀሚሩ።

    ቀንዲ ጠንቂ ግርጭታቶም ስምምዕ ፕሪቶሪያ ከምዝነበረ'ኳ ዝግለጽ እንተዀነ፡ ካልኦት ዝተገልጹን ዝተጐለበቡን ምኽንያታት ከምዘለዉ'ዮም ተንተንቲ ዝእምቱ።ምሉእ ትሕዝቶ፡ ደግሲ ኵነተ-ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ዘቕረባኦ ጥርዓናትን ግደ ማሕበረሰብ ዓለምን

  4. ፌዴራሊስት ኮንግረስ ኦሮሞ (ኦፌኮ) ንመዓልቲታት ዝቐፀለ ዓሌታዊ መልክዕ ዘለዎ ጎንፂ ከተማ ሞያሌ ብዝምልከት ንመንግስቲ ፌደራል ነቒፉ

    እቲ ተቓዋሚ ውድብ ፖለቲካ ብቀዳም 14 ጥቅምቲ 2019 ዓ.ም. ኢትዮጵያ ኣብ ዘውፅኦ መግለፂ፡ ኣብ ከተማ ሞያሌን ዞባ ቦረናን "እናተጋደደ ዝመፅአ መጥቃዕቲ፣ ዕጡቓት ሓይልታት ሸሊኾም ምእታውን ኢ-ሕገመንግስታዊ ለውጥታት ምምሕዳርን" ኰኒኑ።

    ክልላት ኦሮሚያን ሶማሌን ኣብ ዝዳወቡላ ከተማ ሞያሌ፡ ናይ ክልል ሶማሌ ባንዲራ ኣብ ከተማ ሞያሌ ምስቃሉ ስዒቡ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት 08 ጥቅምቲ እዩ እቲ ጎንፂ ተወሊዑ።

    መቕተልቲ ጓል 13 ዓመት ሰገን ስዒቡ ድማ እቲ ጎንፂ ተጋዲዱ።

    ካብ ብሓሙስ ጀሚሩ "ብከቢድ ኣፅዋር ዝተሰነየ" ልውውጥ ተኹሲ ከም ዝቐፀለ፡ ኣብ ዝሓለፉ መዓልቲታት ነበርቲ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

    መንበሪ ኣባይትን ትካላት ንግድን ሓዊሱ ብዙሓት ንብረታት ከም ዝተቓፀሉ እቶም ምንጭታት ሓቢሮም።

    ቢቢሲ ብዓርቢ ዘዛረቦ ሓደ ነባሪ፡ ኣብቲ ዕለት ጥራሕ፡ ዕጡቓትን ሰላማውያን ሰባትን ዝርከቡዎም፡ ትሽዓተ ሰባት ከም ዝሞቱ ተዛሪቡ ነይሩ።

    ቢቢሲ ነዚ ቁፅሪ ብካልኦት ነፃ ምንጭታት ከረጋግፆ ኣይከኣለን።