እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ትግራይ፡ ብተስፋን ስግኣትን ናብ ስሩዕ ህይወት ዝምለሳ ዘለዋ ከተማታት
መብዛሕትአን ከተማታት ክልል ትግራይ፡ እቲ ብ2022 ብስምምዕ ምቍራጽ ተጻብኦታት ደው ኢሉ ዝጸንሐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ካብ ዘውረዶ ማሕበራውን ቍጠባውን ማህሰይቲ ገና ኣይሓወያን።
ነበርቲ ብሕጽረት ፋይናንሳዊ ቀረባትን ዕድላት ስራሕን ኣብ ዝሽገርሉ ዝነበረ እዋን ድማ፡ ዳግም ኣብቲ ክልል ውግእ ተላዒሉ ይርከብ።
ንዝሓለፈ ሽድሽተ ኣዋርሕ፡ ብሰንኪ ኣብ ባንክታት ተፈጢሩ ዝጸንሐ ሕጽረት ጥረ-ገንዘብ መብዛሕትኦም ተጠቀምቲ ብሞባይል ባንኪን እዮም ክተዓዳደጉ ጸኒሖም።
እዚ ድማ ኣገልግሎት ኢንተርነት ምስ ተዓፅወ ከቢድ ሻቕሎትን ሽግርን ፈጢሩ ምንባሩ ቢቢሲ ዘዘራረቦም ወሃብቲ ርእይቶ ይጠቕሱ።
23 መስከረም [ግ] መራሕቲ ህወሓትን ዕጡቓቶምን ካብ ርእሰ ከተማ መቐለ ምዝላቘም ስዒቡ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ሰላም ትግራይን ንኣገደስቲ ከተማታት እታ ክልል ተቘፃፂሮም።
ኣብዚ እዋን ድማ ፈሪሱ ዝፀንሐ ኵነታት ፀጥታን ድሕነትን ንምምሕያሽ ፃዕሪ ይግበር ምህላው ይግለጽ።
ንምዃኑ፡ ኣብዚ እዋን ማሕበራዊ ምንቅስቓስ ነበርቲ እንታይ ይመስል? ቢቢሲ ንገለ ነበርቲ ከተማታት መቐለ፡ ውቕሮ፡ ዓዲ-ግራትን ሽረን ኣዘራሪቡ ዝረኸቦ ርእይቶታት ነዚ ዝስዕብ ይመስል።
ኣብ ኵነታት ፀጥታ
ኣብ መጀመርታ መዓልታት እዚ ሓድሽ ረጽሚ ማእከላይ መንግስትን መራሕቲ ህወሓትን፡ ብርክት ዝበላ ናይ ብሕትን መንግስታዊ ትካላትን ከም ዝተዘምታን ከም ዝዓነዋን ቢቢሲ ካብ ነበርቲ ዝረኸቦ ሓበሬታ የመልክት።
ብፍላይ ኣብ ርእሰ ከተማ መቐለ ቀስ ብቐስ ድማ ኣብተን ካልኦት ከተማታት ሰፊሕ ዝምታ ተራእዩ ነይሩ።
ነባሪት እታ ከተማ ዝዀነት ፍሩት መዓር፡ ኣብዚ እዋን ስርቅን ፍርሕን ነክዩ ዝተረጋገዐ ኵነታት ከም ዘሎ ትዛረብ።
ንሳ፡ ቤተ-ጽባቐ ደቀንስትዮ ከፊታ ናብርኣ እትመርሕ ኰይና፡ ንኣርባዕተ ሰባት ዕድል ስራሕ ፈጢራ'ኳ እንተጸንሐት፡ ናይ ስራሕ ምንቅስቓስ መሊኡ ናብ ንቡር ብዘይምምላሱ ክልተ ካብኦም በዂሮም ምህላዎም ጠቒሳ።
"ካብቲ ኣብ እዋን ኲናት ዝነበረ ይሓይሽ፤ ግን ሕዚ'ውን ሰብ ጥረ-ገንዘብ የብሉን። ሞራል'ውን የለን፤ ስለዚ ስራሕ ዳርጋ ዝበሃል የለን፡" ትብል።
ፍሩት ወሲኻ፡ "ሰብ በቲ ኵነታት ፍርቃ ፍርቂ እዩ። ሕጕስ ዝዀነ ሰብ ኣሎ። ዝተጨነቐ ሰብ'ውን ኣሎ። ፀኒሖም እንታይ ክገብሩና ይኽእሉ፤ ናይማን ድዮም ብልፅግና ስቕ ኢሎም ከንብሩና ዝብል ስግኣታት ኣሎ፡" ኢላ።
ንድሕነቱ ስሙ ዝተዓቀበ ነባሪ ዓዲግራት፡ "ሓይልታት ሰላምን ሰራዊት ኢትዮጵያን ድሕሪ ምእታዎም ዝሓሸ ህድኣትን ምርግጋዕን ኣሎ። እቲ ሕብረተሰብ'ውን ናብ ንቡር ህይወቱ ናይ ምምላስ ምንቅስቓስ ክገብር ይርአ፡" ኢሉ።
ኣብዚ እዋን፡ ብፍላይ ሓይልታት ሰላም ትግራይ፡ ኣብ ገለ ዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ፀጥታ ናይ ምርግጋዕን፡ ፖሊስ ናብ ስራሕ ምስ ምምላስ ተኣሳሲሩ ምርግጋእ ይፍጠር ከም ዘሎ እቶም ነበርቲ ይገልፁ።
ኣብ ዞባ ሰሜን ምዕራብ ከተማ ሽረ ዘዘራረብናዮ ዓወት ብወገኑ፡ ካብ መንግስታዊ ኣገልግሎት ወፃኢ ካልእ ማሕበራዊ ምንቅስቓሳት ምንቕቓሕ የርኢ ከም ዘሎ ተዛሪቡ።
"ሰብ ነናብ ሰርሑ ተመሊሱ እዩ፤ ናይ ዕዳጋ ምርግጋዕ'ውን ብውሱን መልክዑ ይርአ። ባንክታት'ውን ተኸፊተን ኣለዋ፡ ጥረ-ገንዘብ ግን የለን። ኣብ ኤሌክትሪክ ዝነበረ ምቍርራፅ'ውን ዳርጋ ተሪፉ፡ ዝተማለአ ኣገልግሎት ኣሎ።"
ኣብቲ ክልል ዝተፈጥረ ጸጥታዊ ዘይምርግጋእ ብምስጋእ ነጋዶ ዝሓዙዎ ቀረብ ናብ ገዛውቶም ኣግዒዞም ምንባሮን፡ ሕዚ ድማ መሊሶም ናብ መደብር የእትውዎ ከም ዘለዉ ንተዛሪቡ።
ኣብ መወዳእታ ሰሙናት ወርሒ መስረከም ዳግማይ ወተሃደራዊ ግጭት ምውልዑ ስዒቡ፡ ኣብቲ ክልል ኣገልግሎት ባንኪ፣ ስልክን ኢንተርነትን ተቛሪፁ ምንባሩ ዝዝከር እዩ።
ዕዳጋን ናህሪ ዋጋ ሃለኽትን
ቢቢሲ ዘዘራረቦም ነበርቲ እዘን ከተማታት፡ ኣብ ዋጋ ሃለኽቲ ኣቑሑት ብዙሕ ለውጢ ከም ዘየለ ይዛረቡ።
እቲ ቀንዲ ምኽንያት ድማ ገሊኦም ኣብቲ ክልል ተኸሲቱ ዘሎ ደርቂን እናጋደደ ዝመፅአ ድኽነትን ይጠቕሱ። ካልኦት ድማ፡ ጸገም መጓዓዝያ የልዕሉ።
ነባሪቲ ከተማ መቐለ ፍሩት፡ ካብ ከተማ ውፅእ ኢልካ ኣብ መእተዊ፡ "ዕጡቓት" ከም ዘለዉን፡ ሰብ ምህርቲ ካብ ገጠራት መኪና ፅዒኖም ከይኣትዉ ስግኣት ከም ዝዀኖምን እያ ትገልጽ።
ብምዃኑ'ውን፡ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ፡ ብዙሕ ምርግጋዕ ኣየርኣየን። ካብቶም ነበርቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ ከም ዘመልክቶ፡ ንሓሙሽተ ሊትሮ ዘይቲ ክልተ ሽሕ ብር፡ ሓደ ኵንታል ጣፍ ድማ ብ14 000 ሽሕ ብር ይሽመት ኣሎ።
ብሓፈሻ ዋጋ ናይ ኣብዝሓ ጠለባት ካብ ዝነበሮ ኣይወረደን ዝብል ርእይቶ ኣሎ።
ድሩት ምንቅስቓስ ህዝባዊ መጓዓዝያታት'ኳ እንተሃለወ፡ ካብ ከተማ ናብ ከተማ ወይ ድማ ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ ዝግበር ምንቅስቓስ ግን ሕጂ'ዉን መሊኡ ናብ ንቡር ዘይምምላሱ ንምርዳእ ተኻኢሉ ኣሎ።
ብፍላይ ኣብ ከተማታት ዓዲግራትን ሽረን፡ ግጭት ብምስጋእ ዘተኣማምን ምንቅስቓስ ከም ዘየለ ይዛረቡ።
ስሙ ክዕቀብ ዝሓተተ ነባሪ ዓዲ ግራት፡ ካብ ከባቢታት ኢሮብን ከባቢኡን ናብታ ከተማ ናይ ምምፃእ ኵነታት ከም ዘየለ ይዛረብ። እዚ ድማ ምስ ስግኣት ፀጥታ ዝተሓሓዘ ምዃኑ ይኣምን።
"ዋጋ ነዳዲ ነክዩ ኣሎ፤ እንተዀነ መንገዲ ትራንስፖርት ስርሑ ብስሩዕ ስለ ዘይጀመረ ኣብቲ ማሕበረሰብ ዝተፈጥሩ ቅርታት ኣለዉ። ብመንግስቲ ዝወጽአ ተመን መጓዓዝያ የለን፤ ናብ ዝዀነ ከባቢ ዝግበር ጕዕዞ ድማ ኣብ መንጎ ወሃብቲ ኣገልግሎትን ተጓዓዝትን ብዝግበር ብስምምዕ እዩ ዝግበር ዘሎ። ንሱ እዩ ድማ ፀገም ዝኸውን ዘሎ።"
ኣብዚ እዋን፡ ኣብ ከም ሽረ ዝበላ ከተማታት ዋጋ ነዳዲ ነክዩ ከም ዘሎ ይጥቀስ። ኣብታ ከተማ ንሓደ ሊትሮ ነዳዲ ክሳብ ሓደ ሽሕ ኣትዩ ዝነበረ ኰይኑ፤ ኣብዚ እዋን ናብ 400 ወሪዱ ከም ዘሎ ዓወት ዝተባህለ ነባሪ እታ ከተማ ተዛሪቡ።
ኣገልግሎት መጓዓዝያ ኣብ ከተማ ሽረ'ውን ድሩት ምህላው ዝገለጸ ነባሪ እታ ከተማ፡ "ኣብ ትራንስፖት ዛጊድ ድሩትነት ኣሎ። ኣብ ገለገሊኡ ምዕፃው ኣሎ፡ ብፍላይ ካብ ወረዳ ናብ ወረዳ መሊኡ ክፉት ኣይኰነን። ሓሓሊፉ ምልውዋጥ ተዅሲ ኣሎ። ካብዚ'ውን ተዅሲ መዳፍዕ ክስደድ ንሰምዕ ኢና፡" ኢሉ።
ወሲኹ፡ "[ዕጡቓት ህወሓት] ኣብ ገጠራት ኣለዉ ዝብል ጥርጣረታት ስለዘሎ፡ ሎምዓንቲ ንባዕሉ ሸሞንተ ዝዀነ መዳፍዕ ክትኰስ ሰሚዕና፡" ክብል ተዛሪቡ።
ብፍላይ ኣብ ከባብታት ዓዴትን ዛናን ከምኡ'ውን ናብ ፀግዒ ዶብ ኤርትራ ሰመማ ኣብ ዝበሃል ከባቢታት መድፍዕ ከም ዝትኰስን ኣብኡ ሓይልታት ትግራይ ኣለዉ ዝብል ጥረጣረ ከም ዘሎን ሓቢሩ።
ቢቢሲ ነዚ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን።
ምምላስ መሓውራት መንግስቲ
ቤት ምኽሪ ምኒስተራት ኢትዮጵያ ብ16 ጥቅምቲ 2026 [ኣ.ኤ]፡ ንክልል ትግራይ ንዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብላዕለዋይነት ዘመሓድር በዓል ሓደራ ምምሕዳር ከም ዘቘመ ይፍለጥ።
እዚ፡ ኣብቲ ክልል ጸጥታን ምርግጋእን ንምፍጣርን ንቐጻሊ መረጻ ባይታ ንምጥጣሕን ዝዓለመ ምዃኑ መንግስቲ ገሊጹ።
መንግስቲ ፈደራል፡ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ኣብ ትግራይ መረፃ ናይ ምክያድ ትልሚ ከም ዘለዎን ቀንዲ ስራሕ እዚ ሓድሽ ምምሕዳር ከምዝኸውን ኣፍሊጡ ኣሎ።
ብዋና ፈፃሚ ምምሕዳርን ኣገልግሎት ህዝብን ኰይኑ ዝተሸመ ኣይተ ኣሰፋ ኣብርሃ ዝምራሕ ምሕዳር፡ ድሮ ኣብ ከተማ መቐለ ምስ ነበርቲ ዘተታት ከካይድ ዝጀመረ ኰይኑ፡ ኣብ ዞባ ደቡብን ዓዲግራትን ሓዊሱ ድማ ምምራሕ ኣመሓደርቲ ከም ዝተጀመረ ይግለጽ።
ካብ ከተማ ዓዲግራት ትማሊ [ረቡዕ] ብህዝቢ ኣመሓደርቱ ይመርፅ ከም ዘሎ ቢበሲ ዝተወከሶ ነባሪ ይዛረብ። ነታ ከተማ ዘመሓድሩ ሓሙሽተ ሰባት ከም ዝተመርፁን፡ እቲ መረፃ ካብ ህዝቢ ብቐጥታ ጥቆማ ከም ዝግበርን ሓቢሩ።
እንተዀነ፡ እዚ መስርሕ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ገለ ቅርታታት ክቐርበሉ ይርአ። ይኹን'ምበር ኣብታ ክልል ተፈጢሩ ዘሎ ሃጓፍ ምሕደራ ናብ ንቡር ንክመልስ ሓጋዚ እጃም ከም ዝህልዎ ነበርቲ ተስፋ ገይሮም ይርከቡ።
ኣብ ዞባ ማእከል፡ ምምራፅ ኣመሓደርቲ ኣይተጀመረን፤ ዓበይቲ ዓዲ ግን ምስቶም ሓይልታት ሰላም ትግራይ ሓቢሮም ይሰርሑ ከም ዘለዉን፡ ኣብ ፀጥታ ዝተረጋገዐ ኩናታት ከም ዘሎን ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
እንተዀነ፡ ዛጊድ መንግስኣታዊ ኣብያተ ዕዯ ዕፁዋት ምዃኖም ነበርቲ ይዛረቡ።
ኣብዚ ሰሙን፡ ምሕደራ እቲ ክልል ኩሎም ሰራሕተኛታት መንግስቲ ናብ ዝሰርሕሉ ኣብያተ ዕዮ ሪፖርት ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ እዩ። ብዙሓት ሰራሕተኛታት ካብቲ ዝሓለፈ ኲናት ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ እዋናት ወርሓዊ ደሞዞም ክሰናኸልን ኣብ ጸገም ከም ዝጸንሑን ክግለጽ ጸኒሑ እዩ።
ተስፋ ነበርቲ እንታይ እዩ?
ብሰንኪ እቲ ንኽልተ ዓመታት ኣብቲ ክልል ዝተኻየደ ኲናት፡ ሚልዮናት ካብ ቤት ንብረቶም ክመዛበሉ እንከለው ልዕሊ 60 ሽሕ ነበርቲ ምዕራብ ትግራይ ናብ ሱዳን ከም ዝተሰደዱ ይፍለጥ።
ሕብረት ኣፍሪቃ ብዝሒ ናይቶም በቲ ጐንጺን ብሰንኪ እቲ ግጭት ዝሰዓበ ሰብኣዊ ቅልውላውን ዝሞቱ ሰባት ኣስታት ፍርቂ ሚልዮን ከም ዝበጽሕ ይሕብር።
ንዝሓለፉ ኣስታት ኣርባዕተ ዓመታት ድማ ኣብ ውሽጢ ትግራይን ኣብ ሱዳንን ዝርከቡ ተመዛበልትን ስደተኛታትን ክሳብ ሕጂ ናብ መረበቶም ከም ዘይተመልሱን ኣብ ዝተፈላለያ ግዝያዊ መዕቈቢ ቦታታት ከም ዝርከቡን ይፍለጥ።
ኣብ ርእሰ ከተማ ሰሜን ምዕራብ ትግራይ ዝዀነት ከተማ ሽረ ዝተረጋገአ ኵነታት ከም ዘሎ፡ ግን ውግእ ክቕፅል እዩ ዝብል ስግኣታት ከም ዘሎ ነበርቲ ሓቢሮም።
"ተስፋና ኵሉ ነገር ናብ ንቡር ክምለስ እዩ ዝብል እዩ። ከምቲ ንርእዮ ዘለና፡ እቶም ኣትዮም ዘለዉ እቲ ስራሕ ከም ዝቕፀልዎ ኢና ንኣምን። ኣብቲ ማሕበረሰብ ግን ናይ ምድኻምን ምስልቻውን ኵነታት ኣሎ፡" ይብል ሓደ ነባሪ።
ምስቲ ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ዝነበረ ኵነታት ብምንጽጻር ድማ፡ "ሎሚ ተቐይሩ እዩ፤ ሕዚ ሰብ ናብ ስርሑ እዩ ዝጓየ ዘሎ። ቅድሚ ሕዚ ክሳብ በረኻ እናወፃእኻ፡ ገንዘብ፣ መድሓኒት ናብ ዘለዉዎ ከይድካ ናይ ምድጋፍ ፃዕርታት ነይሩ፤ ሕዚ ዳርጋ ከምኡ ዝበሃል ነገር የለን፡" ኢሉ።
ፍሩት፡ ንነዊሕ ግዜ ዝፀንሕ ኲናት ከይህሉ እያ ትሰግእ።
"ሰላም ደንጉያ እትመፀና እዩ ዝመስለኒ፤ ምኽንያቱ ንሳቶም [ዕጡቓት ህወሓት] እውን ኣይዓረፉን ዘለዉ። ዝበዝሕ ሰብ ፖለቲካ ሰልችዩዎ እዩ ዘሎ፤ ዝመፅአ ይምፃእ ሰሪሕና ንኣትወሉ፡ ደቂና ክነዕቢ፡ ገዛ ክራይ ክንከፍል ሰላም ይሃቡና።"