
ምንጪ ስእሊ, Moose Campbell/BBC
መግለጺ ስእሊ, ሚኒስተር ምክልኻል ዩክረይን ነበር ማይክሃይሎ ፌዶሮቭፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ውሽጢ ዓንኬሉ ክምልሶም
ዝግባእ "ሕቶታት ብልሽውና" ከምዘለዉ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ማይክሃይሎ ፌዶሮቭ ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ዕጡቓት ሓይልታት ዩክረይን ዘዘመነን ፈላሚ ውግእ
ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝጀመረን ተባሂሉ ዝነኣድ ምኒስተር ፌዶሮቭ፡ ምስ ሓላፊ ዕጡቕ ሓይሊ ዩክረይን ዘይምቅዳዉ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ
ወርሒ ካብ ስርሑ ከም ዝተኣለየ ይዝከር።
ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃል፡ ዝሓለፈ
ሰሙን ዝተጀመረ መርመራ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፡ ዘለንስኪ ኣብ ውሽጢ ዓንኬሉ ዘሎ ብልሽውና ዝምልከት ሕቶታት ከም ዘልዓለ
ሓቢሩ።
ፌዶሮቭ ብተወሳኺ "ዲሞክራሲ ብፑቲን ጅሆ ክተሓዝ የብሉን" ብምባል፡ ዋላ ኣብ እዋን ኲናት፡ ፕረዚደንታዊ መረፃ ክካየድ ጠሊቡ ኣሎ።
ምእላይ'ቲ እቲ ወዲ 35 ዓመት ፌዶሮቭ ስዒቡ ዝተልዓለ ቁጥዐ ዝመልኦ
ተቓውሞ ሰልፍታት፡ እናዘሓለ ብምምፃእ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ተዛዚሙ ኣሎ።
ዩክረይን ኣብ 2022 ብሩስያ ሙሉእ ወራር ካብ ዝፍፀማ ንደሓር፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሕጊ ትርከብ፤ እዚ ማለት ድማ መረፃ ደው ኢሉ ኣሎ ማለት እዩ።

ምንጪ ስእሊ, Reuters
መግለጺ ስእሊ, ፕረዚደንት ቮሎዲሚር ዘለንስኪ ኣብ ጎኒ ሚካይሎ ፌዶሮቭ ኣብ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ ኣኼባ ኔቶፌዶሮቭ ግን ብዛዕባ መረፃ ዝርርብ ምጅማር "ሞራላዊ መሰል እዩ" ኢሉ።
"ክንዛተየሉ ክንፈርሕ የብልናን። ዲሞክራሲ ንሱ'ዩ። ሓሳባተይ ከካፍልን ብዛዕባኡ ምስ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሕብረተሰብ ግልፂ ክኸውንን እንተዘይክኢለ፡ ስለምንታይ ኢና ደኣ ንቃለስ ዘለና?፡ መረፃ እንተዘይተኻይዱ፡ ድሕሪ ሕጂ ዲሞክራሲያዊያን ኣይኰንናን፡" ኢሉ።
ፕረደዚንት ዘለንስኪ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ እዋን ኲናት ዝካየድ መረፃ ንዩክረይን ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ብሰንበት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ።
እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ቢሮ ጸረ ግዕዝይና ዩክረይን፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዝተኸሰሰ ሚኒስተር ጸዓት ነበር ዋሕስ ንምኽፋል ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ባጤራ ዩክረይን ብዘይግቡእ ንምጥቃም ዝዓለመ ውዲት ከም ዘቃልዐ ገሊጹ።
ኣብዚ ጉዳይ ተሳቲፉ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ዘለንስኪ ካብ ስርሑ ተባሪሩ ኣሎ።
ፌዶሮቭ፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬሉ ክህሉ ዝኽእል ብልሽውና ዘለዎ ኣፍልጦ ሕቶታት ከም ዘልዕል ገሊጹ።
"ነዛ ሕቶ ይመልስ... ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ድሉው ምዃኑ እኣምን። ነዚ ኩሉ ይፈልጥ ድዩ ኣይፈልጥን ንኹላትና ክነግረና ናቱ ሓላፍነቱ... ቀድሚኡ ግን፡ ዝዀነ ግምት ክህብ ኣይደልን እየ።"