እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ቀጥታ, ኔፓል፡ ብዝሒ ምማቶም ዝተረጋገጸ ሰባት ልዕሊ 700 በጺሑ፡ ኣስታት 3 ሽሕ ደሃዮም ኣይተረኽበን

ኣብ ኔፓል ብውሕዱ 734 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ፡ ልዕሊ 2,800 ሰባት ድማ ደሃዮም ጠፊኡ ከምዘሎ ሰበስልጣን እቲ ከባቢ ገሊጾም

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምስፍሕፋሕ ሰፈራታት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ብርቱዕ ኵነነ ስዒብሉ
  • ጸሓፊ ጕዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ማርኮ ሩቢዮ ብዛዕባ እቲ ምስ ኣመሪካ ዝተገብረ ስምምዕ ሰላም ምስ ሃገራት ወሽመጥ ዓረብ ኣብ ዝዘራረበሉ ዘሎ እዋን፡ ሓላፊ ዓለማዊ ትካል ምቍጽጻር ኑክሌር ኣብ ኢራን መርመራታት ከካይድ ምዃኑ ክገልጽ ከሎ፡ ኢራን ብወገና እዚ መርመራ ኣብ መፈጸምታ ናይቲ ስምምዕ ጥራይ ከም ዝትግበር ኣፍሊጣ።
  • ቬነዝወላ ኣብ ውሽጢ 39 ካልኢታት ጥራይ ብኽልተ ተኸታታሊን ሓያልን (7.2ን 7.5ን ሬክተር) ምንቅጥቃጥ-መሬት ተሃስያ።
  • ኣብ ርእሰ-ከተማ ካራካስ ሓያሎ ነዋሕቲ ህንጻታት ፈሪሶም፣ ቀንዲ ኣህጉራዊ መዓርፎ ነፈርቲ ተዓጽዩ፣ ከምኡ'ውን ልዑል ቍጽሪ ግዳያት ክህሉ ከም ዝኽእል ተገሚቱ ኣሎ።
  • ግዝያዊት ፕረዚደንት ዴልሲ ሮድሪገዝ 'ኣዋጅ ህጹጽ እዋን' ኣዊጃ፡ መስርሕ ህይወት ኣድሕን ድማ ብጽዑቕ ይቕጽል ኣሎ።
  • እዚ ሓደጋ ህዝቢ ኣብ ገዛውቱ ኣብ ዝነበረሉ መዓልቲ ብሄራዊ በዓል ዘጋጠመ ኰይኑ፡ ነቲ ድሮ ኣብ ቬነዝወላ ዘሎ ቍጠባውን ፖለቲካውን ቅልውላው ብዝያዳ ዘጋድድ ከቢድ ሰብኣዊ ሓደጋ ኰይኑ ኣሎ።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ኣይስላንድ፡ ውፅኢት ህዝበ-ውሳነ ንኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ይነፅግ

    ኣይስላንድ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዳግማይ ዝርርብ ንምጅማር ኣብ እትዳለወሉ እዋን፡ ህዝቢ ኣንጻር ኣባልነት ኣድሚፁ፤ ናይ ሓደ ጣብያ መረፃ ጥራይ ዘይተቘፀር ተሪፉ።

    ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተቖጽሩ 188,496 ድምጽታት፡ 52.5 ሚኢታዊት ንእማመ’ቲ መንግስቲ ክነጽግ እንከሎ፡ 47.5 ሚኢታዊት ድማ ናይ ምፅምባር ድሌት ኣንፀባሪቝ።

    ቀዳማይቲ ሚኒስተር ክሪስትሩን ፍሮስታዶቲር እትመርሖ መንግስቲ፡ ክሳብ 2027 ህዝበ-ውሳነ ከካይድ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድ ዘስመዖ ናይ ምጥቕላል ምፍርራሕ ሓዊሱ፡ ዓለማዊ ወጥሪ፡ ንቕድሚት ከምፀኦ ኣገዲዱዎ።

    ይኹን እምበር፡ ኣብዛ ኣስታት 400 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ደሴታዊት ሃገር፡ እቲ ጉዳይ፡ ንጸጥታዊ ስክፍታታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ምግፋፍ ዓሳኣ ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

    ድሮ ኣካል ናይቲ ሓደ ዕዳጋ ሕብረት ኤውሮጳን ነፃ-ቪዛ ሸንገንን ዝኾነት ኣይስላንድ፡ ሙሉእ ኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ሓደ ዓይነት ጉምሩክን ዩሮን ክትጥቀም ከኽእላ ይኽእል እዩ።

  2. ኔፓል-ቲቤት፡ ፃዕርታት ህይወት ምድሓን ምስ ፅንኩር ኩነታት ኣየር ይቕፅል, ኣስታት 3 ሽሕ ሰባት ደሃዮም ኣይተረኽበን

    ሰበስልጣን ኔፓል፡ እቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ውሕጅ ስዒቡ፡ ዛጊድ 734 ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊፆም። ብህይወት ዝተረኽበ ውፃእ መዓት የለን።

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና፡ ብወገን ቲቤት ብዝሒ ዝሞቱ ናብ 16 ከምዝዓበየ ይሕብራ።

    ቻይና ሓበሬታ ብጥብቂ ስለእትቈፃፀር፡ ብወገን ቲቤት ክብደት ናይቲ ሓደጋ ንምግምጋም ኣፀጋሚ ገይሩዎ ከምዘሎ ይግለፅ።

    ብወገን ኔፓል ልዕሊ 2,400 ሰባት ዛጊድ ደሃዮም ኣይተፈልጠን፡ ቻይና ድማ 261 ወጻእተኛታት ዜጋታት ዝርከብዎም 546 ሰባት ደሃዮም ከምዘይተረኽበ ኣፍሊጣ ኣላ።

    ናብቲ ከባቢ ሓገዝ ክኣቱ ጀሚሩኳ'ኳ እንተነበረ፡ ሕማቕ ኣቀማምጣ መሬትን ዘየቋርፅ ዝናብን ግን ምብጻሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

    ኣብ ኔፓል፡ ቀትርን ለይትን ዝሰርሑ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ኣብቶም ብውሕጅ ዝተሃስዩ ከባቢታት፡ ኣብ ታንከራትን ሃይድሮኤሌክትሪክን ተዓጽዮም ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ንምብፃሕ፡ ምስ ፅንኩር ኩነታት ኣየር ይቃለሱ ኣለዉ።

  3. ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ሙዚቀኛ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዑደቱ ሰሪዙዎ

    ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ሙዚቀኛ ሳሊፍ ከይታ ብሰንኪ ኣንጻር ስደተኛታት ዝግበር መጥቃዕትታትን ጐስጓሳትን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክገብሮ ዝሓሰበ መደብ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

    ከይታ ኣብ ኣውራጃ ፍሪ ስቴት ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ ምርኢት ምስራዙ ከምዘጉሃዮም ሰብመዚ እቲ ዞባ ገሊጾም ኣለዉ።

    እቲ ወዲ 77 ዓመት ድምጻዊ፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኣንጻር ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝግበር ጽልኢ ንዝገልጽ ጸብጻባት ዕሽሽ ከምዘይብሎ" ኣነጺሩ።

    "ስደተኛታት ክጥቅዑ ክርኢ እንከለኹ፡ 'ፖለቲካ' ኣይራኣየኒን እዩ። ስራሕ፡ ውሕስነትን ክብረትን ዝደለዩ ሰባት'ዮም ዝራኣዩኒ" ይብል እቲ "ወርቃዊ ድምጺ ኣፍሪቃ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ስነጥበባዊ ስለምንታይ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣብሪሁ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘነጻጸረ መጥቃዕትታትን ጽልእን ንብዙሕ ዓመታት ክቕጽል ዝጸንሐ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ውዱብ ተቓውሞታትን ጐስጓሳትን ክካየድ ምጽንሑ ግን ንማሕበረሰባት ስደተኛታት ዓቢ ስግኣት ኮይኑ ይርከብ።

    ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ዜጋታተን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከውጽኣ ምጽንሐን ይዝከር።

  4. ንጉስ ኖርወይ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ዓሪፉ

    ንጉስ ኖርወይ ሃራልድ 5ይ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ኣብ ርእሰከተማ ኦስሎ ዓሪፉ።

    ንጉሳዊ ቤተሰብ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ንጉስ ሎሚ ወጋሕታ 28 ታሕሳስ ብሰላም ከምዝዓረፈ ኣፍሊጡ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሰሜን ኣውሮጳዊት ሃገር ዮናስ ጋህር ስቶረ ዝርከቦም መራሕቲን ነገስታትን ዓለምን፡ ከምኡ'ውን ህዝቢ እታ ሃገር ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።

    ወዲ 53 ዓመት ወዱ ልኡል ሃኮን ዘውዲ ወላዲኡ ብምውራስ ሓድሽ ንጉስ ኮይኑ ኣሎ።

    እቲ ኣብ ኣውሮጳ ብዕድመ ዝዓበየ ንጉስ ኮይኑ ዝጸንሐ ሃራልድ፡ ወላዲኡ ንጉስ ኦለቭ ኣብ ጥሪ 1991 ምስ ዓረፈ'ዩ ናብ ዙፋን ደይቡ።

    ኣብ 1968 ነታ ዝፈትዋ ዝነበረ ናይ ንግስነት ዘርኢ ዘይብላ ብዓልቲ ቤቱ ሶንያ ሃራልድሰን ብምምርዓዉ ኣብ ታሪኽ ንግስነት እታ ሃገር ፈላሚ ታሪኽ ከምዘመዝገበ'ዩ ዝንገረሉ። ደቊ'ውን ኣሰሩ ብምኽታል ካብ ንግስነት ወጻኢ ሓዳር ክምስርቱ ተራእዮም እዮም።

    ኖርወይ ሓንቲ ካብ ሃብታማት ሃገራት ስካንዲናቪያ ኮይና ብዝሒ ህዝባ ልዕሊ 5.6 ሚልዮን ይበጽሕ።

  5. ኔፓል-ቲበት፡ ቊጽሪ ግዳያት ልዕሊ 600 በጺሑ

    ብሰንኪ'ቲ ኣብ ዶብ ኔፓልን ቲበትን ዘጋጠመ ደምሳሲ ውሕጅ ዝሞተ ሰባት ዛጊት 547 ሰባት በጺሑ።

    ልዕሊ 1000 ካልኦት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ሰበስልጣን ኔፓልን ቻይናን ሓቢሮም ኣለዉ። ካብዚኦም 558 ብወገን ቲበት ጠፊኦም ዘለዉ ኮይኖም፡ ብወገን ኔፓል'ውን 500 ዝኣኽሉ ሰባት ኲነታቶም ኣይተፈልጠን።

    ብህይወት ንምርካቦም ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ኣብ ወሳኒ መድረኽ በጺሑ ከምዘሎ ሰብመዚ ቻይና ገሊጾም ኣለዉ።

    ብዙሓት በጻሕቲ ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ከምዝኾኑ ዝገልጹ ሰብመዚ ኔፓል፡ ዛጊት ኣስታት 100 ወጻእተኛታት ድሒኖም ከምዘለዉ ሓቢሮም።

    ብዙሓት ስድራቤታት ድሃይ ሃለዋት ዘጥፍኡ ኣባላተን ንምፍላጥ ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ተርባጽን ይርከባ ኣለዋ።

    ጠንቂ ናይቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም ኣብ ኣኽራናት ናይቲ ከባቢ ዝነበረ ከውሒ በረድ ምዃኑ ይግለጽ።

  6. ብምጽናት ዓሌት ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ 'ሓራዲ ቦዝንያ' ሞይቱ

    ብምጽናት ዓሌት ንሕልፈት ተፈሪዱ ዝነበረ ቦስንያዊ-ሰርብ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ኣብ ማእሰርቲ ሞይቱ።

    እቲ "ሓራዲ ቦዝንያ" ዝብል ቅጽል ዝተዋህቦ ወዲ 84 ዓመት ጀነራል ራትኮ ምላዲች ኣብታ ዩጐስላቪያ ተባሂላ ትፍለጥ ዝነበረት ምብራቕ ኣውሮጳዊት ሃገር፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እስላም ቦዝንያውያን ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቅትለታት ንዓመታት ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ኣብ 2017 ተፈሪዱ።

    ንሱ ዝመርሖም ዝነበረ ሓይልታት ቦዝንያ-ሰርብ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰባት ክቕትሉ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸሙ ይፍለጥ።

    ምላዲች ኣብ ሄግ (ነዘርላንድስ) ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ሕቡራት ሃገራት'ዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተሰናቢቱ ዘሎ።

    እቲ ንዩጎስላቭያ ናብ ሓያሎ ሃገራት ዝጐዛዘየ ኲናት ብምትእትታው ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ድሕሪ ምህድኡ፡ ተሰዊሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2011 ኣብ ሓደ ደንበ ተሓቢኡ ጸኒሑ።

    እቲ ሓይልታቱ ዝፈጸምዎ ግፍዒ ድሕሪ'ቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሰራዊት ሂትለር ዝተፈጸመ፡ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይንገር።

  7. ኣሸሓት ኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን ኣብ ስርሒት ህይወት ምድሓን ይሳተፉ'ለዉ

    ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤትን ትማሊ ዘጋጠመ ከቢድ ውሕጅ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ይደልዩ ኣለዉ።

    ሃገራዊ በዓል መዚ ምሕደራ ሓደጋታት ኔፓል፡ 9,260 ኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን ኣብቲ ስርሒት ይሳተፉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

    ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ፡ ጽርግያታትን ድልድላትን ዝርከቡዎም ትሕተ-ቅርፂ ሰፊሕ ዕንወት በፂሑ ኣሎ።

    ምሉእ ስፍሓት ናይቲ ሓደጋ ገና ኣብ ምፅራይ ርከብ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ፡ ወጻእተኛታት ዜጋታት እዮም።

    ፖሊስ ኔፓል ሕዚ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ብዝሒ ዝሞቱ ናብ 359 ክብ ከምዝበለ የመልክት። ከምኡ ድማ፡ ልዕሊ 900 ሰባት ዛጊድ ደሃዮም ኣይተረኽበን።

    ብወገን ቲቤት፡ ብውሕዱ 558 ደሃዮም ከምዘይተረኽበ መንግስታዊ ሚድያ ቻይና ፀብፂቡ።

    እቲ ኣሃዛት፡ ምስቲ ብወገን ኔፓል ዝተገልፀ ሓዊሱ ድዩ ኣይኰነን፡ ንጹር ኣይኮነን።

    ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኔፓል ተመሰሳሊ ሓደጋ ውሕጅ ዝረኣየ ሓደ ፍሉጥ ተቐዳዳማይ ኣኽራናት፡ ከምዚ ዓይነት ሃንደበታዊን ሓደገኛን ሓደጋ ርእዩ ከምዘይፈልጥ ንቢቢሲ ገሊጹ።

  8. ኔፓል-ቲበት፡ ቊጽሪ ምውታት ዕልዕሊ 350 በጺሑ

    በቲ ኣብ ዶብ ኔፓልን ቲበትን ዘጋጠመ ሓደጋ ውሕጅ ዛጊት 359 ሰባት ከምዝሞቱ ፖሊስ ኣረጋጊጾም።

    ብቐጻሊ ሬሳታት ይርከብ ብምህላዉ ግን ቊጽሪ ምውታት ክንህር ትጽቢት ይግበር።

    ካልኦት ኣስታት 900 ግን ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን ዘሎ። ኣስታት 517 ካብኣቶም ወጻእተኛታት በጻሕቲ፡ ከምኡ'ው ልዕሊ 70 ኣባላት ሰራዊትን ፖሊስን ከምዝኾኑ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ።

    ህይወት ናይቶም ብድበት ተደፊኖም ዘለዉ ሰባት ንምድሓን ጽዑቕ ናይ ቅድድም ስራሕ ይካየድ ኣሎ።

    ዛጊት ልዕሊ 350 ሰባት ብደገፍ ነበርቲን ሰራሕተኛታት ህጹጽ ደገፍን ብህይወት ድሒኖም ኣለዉ።

  9. ብዙሓት ምዕራባውያን ሃገራት፡ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ንዝጀመሮ ዝርርብ-ሰላም ድጋፈን ገሊፀን

    በቲ ኣብ ትግራይ ኣንፀላልዩ ዘሎ ኩነታት ከምዝተሻቐለ ዝገለፀ፡ ልኡኽ ሕብረት ኣውሮጳ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ህወሓትን መንግስቲ ፌዴራልን ብቕልጡፍ ናብ ልዝብ ውዕል ፕሪቶርያ ክምለሱ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

    ልኡኽ እቲ ሕብረት፡ ምስ ኢምባሲታት ምዕራብ ሃገራት ብሓባር ኣብ ዘውፅእዎ ምግለፂ፡ ክልቲኦም ተፃባእቲ ኣካላት ናብ ጐንፂ ካብ ዘምርሑ ተግባራት ክቝጠቡን፡ ናብቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝምእዘን ዝርርብ ሰላም ክምለሱን፡ ሙሉእ ድጋፍ ከምዝገብሩ ኣፍሊጦም ኣለዉ።

    22 ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳ፡ ከምኡ'ውን ዓዲ እንግሊዝ፣ ኖርወይን ካናዳን ኣብቲ መግለፂ ተኻቲተን ኣለዋ።

    ፍሉይ ወኪል ሕብረት ኣፍሪቃ፡ ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴጉን ኦባሳንጆ ናብ መቐለ ዝገበሮ መገሻ ዘተባበዐ እቲ መግለፂ፡ እቲ ካብ ዝሓለፈ ኲናት ሃሰያ ሚሊኡ ዘይደሓነ ክልል፡ ድርቂ ተወሲኹዎ፡ "ናብ ካልእ ዙር ወተሃደራዊ ገጭት ክኣቱ፡ ኣዝዩ ሓደገኛ" ከምዝኸውን፡ ኣስሚርሉ።

    ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ ኢትዮጵያ ኢርቪን ማሲንጋ ትማሊ ተመሳሳሊ መግለፂ ምውፅኡ ዝዝከር እዩ።

    ክልቲኦም ኣውሓስቲ፡ እቲ ኣብ 2022 ዝተፈረመ ውዕል ፕሪቶርያ፡ ሕብረት ኣውሮጳን ኣመሪካን፡ ኣብ ትግራይ ዝምዕብል ዘሎ ወጥሪ ንምህዳእ፡ እቲ ምቀራፅ ተፃብኦታት ብመመላእታ ክትግበር፡ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ሕብረት ኣፍሪቃ ብቕርበት ክሰርሑ ምዃኖም ቃል ኣትዮም ኣለዉ።

    ቅድሚ ሓደ ወርሒ ኣብ ዶባት ሱዳን፡ ሸረሪና ኣብ ዝበሃል - ምዕራብ ትግራይ- ናይ ሓደ መዓልቲ ከቢድ ውግእ ምስተገብረ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ትግራይ ተኸታተሊ መጥቃዕቲ ድሮን ክካየድ ቀንዩ ኣሎ። ኣብ ደቡባዊ መዋስንቲ ትግራይ ድማ፡ ኣብ ዝዀነ እዋን ናብ ግጭት ከምርሕ ዝኽእል፡ ብኽልቲኡ ገፅ፡ ወተሃደራዊ ምፅግጋዕ ከምዘሎ ፀብፃባት ይሕብሩ፡

  10. ቀዳማይ ምኒስተር ኔፓል፡ ዛጊድ 95 ሬሳታት ተረኺቡ ኣሎ, ብሓገዝ ወተሃደራዊ ነፈርት ናይ ብሕቲ ሄሊኮፕተራትን 114 ሰባት ድሒኖም

    ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ምኒስተር ኔፓል፡ ክሳብ ሕጂ 95 ሬሳታት ብኣለሻ ከምዝተረኽበ ኣረጋጊጹ።

    ባሌንድራ ሻህ፡ ድሕሪ'ቲ ኣብታ ሃገር ዘጋጠመ ሰፊሕ ሞት ዘስዓበ ውሕጅ "ከቢድ ሓዘን" ከምዝተሰመዖ ገሊጹ።

    እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ፡ ፖሊስ ኔፓል፡ ኣብ ራሱዋ ኣብ ዝርከብ ሩባ ቦተኮሺ፡ 114 ሰባት ከምዝደሓኑ ማዕከናት ዜና እታ ሃገር ሓቢረን ኣለዋ።

    ሰራዊት እታ ሃገር ልዕሊ 80 ሰባት ከድሕን እንከሎ፡ 29 ሰባት ብዝተፈላለዩ ናይ ብሕቲ ኩባንያታት ሄሊኮፕተር ከምዝደሓኑ እቲ ፀብፃብ የመልክት።

    ዜጋታት ብሪጣንያ ካብቶም ኣስታት 400 ሃለዋቶም ዘይተፈልጠ በጻሕቲ ዓዲ እዮም።

    ሓደ ኩባንያ ዑደት፡ ኣብ ዶብ ኔፓልን ቲቤትን ኣብ ዝጓዓዝሉ እዋን፡ እቶም 12 ብሪጣንያውያን ከም ዝጠፍኡ ኣረጋጊጹ።

    ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኔፓል ሺሺር ካናል፡ ኣብ ጥቓ እቶም ሩባታት ገና ሓደጋ ከምዘሎ ብምግላፅ፡ ነበርቲ ልዑል ጥንቃቐ ክገብሩ ሓቢሩ ኣሎ።

    ኣብ ቻይና ኩለን መራኸቢ ብዙሓን- ብፍላይ ኣብ ግዝኣት ቲቤት- ጥቡቕ ቁፅፅር ስለዝግበረለን፡ ሙሉእ ሓበሬታ እቲ ሓደጋ ክትረክብ ኩሉ ግዜ ኣጸጋሚ ምዃኑ ወኪል ቢቢሲ ኣብቲ ከባቢ ትገልፅ።

    እንተዀነ፡ መራሒ ቻይና ፕረዚደንት ሺ ጂንፒንግ፡ ኣብ ምድሓን ህይወት፡ ውልቃዊ መምርሒታት ክህብ ከሎ፡ መብዛሕትኡ ግዜ ሓደ ፍጻመ ኣዝዩ ከቢድ ምዃኑ ዘርኢ እዩ፡ ትብል።

    ንሱ፡ ጉጅለታት ህይወት ኣድሕን ነቶም ዝጠፍኡ ንምድላይ ዝከኣሎም ኩሉ ክገብሩ ኣተሓሳሲቡ ኣሎ።

  11. ቻይና ዜጋታታ ካብ ኣፍሪቃዊት ንግስነት ክወጹ ተማሕጺና

    መንግስቲ ቻይና ዜጋታቱ ካብ ንግስነት ኢስዋቲኒ ክወጹ ተማሕጺኑ።

    ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ዴሳዊት ቻይና ከምዝበሎ፡ ኣብታ ደቡብ ኣፍሪቃዊት ንግስነት ዘለዉ ዜጋታቱ "ጸጥታዊ ሓደጋ" ኣጋጢምዎም ኣሎ።

    በይዢንግ ብሰንኪ እታ ንግስነት ምስ ታይዋን ዘለዋ ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ምስ ኢስዋቲኒ ዝነበራ ርክብ ከምዝበተኸት ይፍለጥ።

    እታ ንግስነት ንታይዋን ኣፍልጦ ዝሃበት እንኮ ኣፍሪቃዊት እያ። ካልኦት 11 ሃገራት ዓለም'ውን ምስታ ቻይና ናተይ እትብላ ደሴት ታይዋን ዲፕሎማስያዊ ዝምድና ኣለወን።

    ዜጋታት ቻይና ምስ ናይ "ሳይበር ምጥፍፋእን ገበናዊ ንጥፈታት ጠላዕን" ዝተሓሓዝ ጸጥታዊ ጸገማት ከምዘጋጠሞም ዘመልከተ እቲ ሚኒስትሪ ብህጹጽ ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ትርከበን ጐረባብቲ ሃገራት ክግዕዙ መኺሩ።

    ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ኣትሒዙ ኣስታት 40 ቻይናውያን ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተዉ 'ታይምስ ኦፍ ኢስዋቲኒ" ዝተባህለ ማዕከን ዜና ይሕብር።

    መንግስቲ ኢስዋቲኒ ብዛዕባ'ቲ ብወገን ቻይና ዝወጸ መጠንቀቕታ ዝሃቦ መግለጺ ዛጊት የለን።

  12. ‘ደረጃ እቲ ሓደጋ ንምሕሳቡ ዘጸግም’ዩ’: ንጥፈታት ህይወት ምድሓን ይቕፅል, ዛጊድ 31 ሰባት ሕይወቶም ከምዝሰኣኑ ተረጋጊፁ

    ድሕሪ እቲ ኣብ 2015 ኣስታት 9 ሽሕ ሰባት ዝቐዘፈ ምንቅጥቃጥ ምድሪ፡ እዚ ናይ ሕዚ ኣብ ኔፓል ዘጋጠመ ኣዝዩ ኣዕናዊ ሓደጋ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

    ኣብ ዶብ ኔፓልን ቻይናን ዝርከባ ሓያሎ ታሕተዎት ግዝኣታት በቲ ሓደጋ ተሃስየን ኣለዋ።

    ሰበስልጣን እታ ሃገር፡ ኣብ ልዕሊ ህይወትን ንብረትን ዓቢ ኪሳራ ከምዘጋጠመ'ኳ እንተገለጹ፡ ክሳብ ሕጂ ግን ንጹር ግምት ኣየቕረቡን።

    ኣብ ወሰን ሩባ ቦተኮሺ ዝርከባ ግዝኣታት፡ ራሱዋን ኑዋኮትን ዝርከባ ሓያሎ ከባቢታት፡ ዝያዳ ተሃስየን ኣለዋ።

    እተን ግዝኣታት ውሑድ ብዝሒ ህዝቢ ዘለወን ኮይነን፡ ጽርግያታተን ግን ንንግዲ ኔፓልን ቻይናን ከም ቀንዲ መተሓላለፊ መስመር ኮይኖም የገልግሉ ነይሮም።

    ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ፡ ጽርግያታትን ድልድላትን ሓዊሱ ወሰንቲ መሰረተ ልምዓት ዓንዩ ኣሎ።

    ሰብመዚ እቲ ከባቢ ብዝሒ ዝሞቱ ሰባት ዛጊት 31 ከምዝበጽሐ ክገልጹ እንከለዉ፡ ሓደ ወሃቢ ቃል ንቢቢሲ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ መጠን ዕንወት "ንምሕሳቡ ዘፀግም" ከምዝኾነ ተዛሪቡ።

    ብበዝሒ ህንዳውያን ዜጋታት ዝርከብዎም ኣሽሓት በጻሕቲ ዓዲ፡ ዓመት መፀ፡ በዚ ከባቢ ብምስጋር ናብተን ኣብ ቲቤት ዝርከባ ታሪኻዊ ቦታታት፡ ሃይማኖታዊ ጉዕዞ ይገብሩ ነይሮም።

    ኣብዚ ኣማኢቲ ሃለዋቶም ዘይተፈልጠሉ ኩነታት፡ ስርሒታት ምድላይን ምድሓንን ምስ ግዜ ይቕፅሉ ኣለዉ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ተመሳሳሊ ከባቢ ብዝተፈጥረ ሓደገኛ ውሕጅ፡ 18 ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ልዕሊ 6 ቢልዮን ሩፒስ (46 ሚልዮን ፓውንድ) ዝግመት ዕንወት ኣስዒቡ ምንባሩ ይዝከር።

    እዚ ኣብ ተመሳሳሊ ከባብን ግዜን ዳግማይ ዝተኸስተ ሓደጋ፡ ኣብቲ ከባቢ ንዝነብር ሕብረተሰብ ከቢድ ጽልዋ ኣሕዲሩሉ ኣሎ።

  13. ኣብ ኔፓል ኣብ ዘጋጠመ ሓያል ውሕጅ ኣማኢት ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን

    ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤት ኣብ ዝርከብ ሩባ ቦተ ኮሺ ብዝተፈጥረ ሃንደበታዊ ውሕጅ ኣማኢት ሰባት ሃለዋቶም ኣይተፈልጠን።

    ብመሰረት፡ ቦርድ ቱሪዝም ኔፓል ኣብ ኤክስ ዘቃለሖ ሓበሬታ፡ 291 ወጻእተኛታት ዝርከብዎም ብዙሓት ተጓዓዝቲ ደሃዮም ብንፁር ኣይተረጋገጸን።

    "ሃለዋትን ኩነታት ድሕንነትን" ናይቶም በቲ ከባቢ ዝጓዓዙ ሰባት "ንምርግጋፅ ይሰርሕ ኣሎ" ይብል፡ እቲ ቦርድ።

    ሓደጋ እቲ ሓያል ውሕጅ፡ ሎሚ ረቡዕ ኣብ ሰሜን ርእሰተማ ኔፓል ዝኾነት ካትማንዱ ኣብ እትርከብ ራሱዋ ዘጋጠመ ዀይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ዘንቀሎ ከምዝዀነ ይግለፅ።

  14. ንግዳዊ ኲናት ኦታዋን ዋሽንግተንን ይረስን፡ ካናዳ ሕነኣ ትፈዲ

    ካናዳ ነቲ ብኣመሪካ ዝተወሰነላ ቀረጽ ምላሽ ንምሃብ ተመሳሳሊ ውሳነ ከምእትወስድ ኣፍሊጣ።

    ኦታዋ ኣብ ዘውጽኣቶ መግለጺ፡ "ዶላር ብዶላር" ዝዳረግ ገብረመልሲ ከምእትህብ ብምግላጽ፡ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ስርሓት ሓጺን፡ ጸባን ንዋያት ገዛን ዝርከቦም ኣቚሑት ቀረጽ ክትውስን ምዃና ኣነጺራ።

    በዚ መሰረት ካናዳ ንኣስታት 20 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ካብ ኣመሪካ ዝኣቱ ንግዳዊ ኣቚሑት ካብ 15% ክሳብ 50% ቀረጽ ከተኽፍል'ያ።

    እቲ ሓድሽ ቀረጽ ካብ 8 መስከረም፡ ፍርቂ-ለይቲ ኣብ ግብሪ ክውዕል ትጽቢት ይግበረሉ።

    ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ካናዳ ሓድሽ 50% ቀረጽ ድሕሪ ምውሳኑ'ዩ መንግስቲ ካናዳ ነቲ ስጉምቲ ክወስድ ተገዲዱ ዘሎ። ኣቐዲማ'ውን ዋሽንግተን ካብ ካናዳ ንዝኣቱ ስርሓት ሓጺን፡ ኣልሚንየምን ተሽከርከርትን ዝርከቦ ንብረት ዒላማ ዝገበረ ወሰኽ ቀረጽ ኣንቢራ ነይራ'ያ።

    ነቲ ኣብ መንጐ ክልቲአን ጐረባብቲ ሃገራት ተፈጢሩ ዘሎ ንግዳዊ ኲናት ፍታሕ ንምርካብ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ዝተኻየደ ዝርርብ ብዘይፍረ ከምዝተወድአ ይዝከር።

  15. ንቻይና ዘቖጠዐ እገዳ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራን

    ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኢራንን ቻይናን እትርከበን ንግዳዊ መሻርኽታን ቁጠባዊ እገዳ ከተስፍሕ ከምዝወጠነት ድሕሪ ምእዋጃ፡ ቻይና ረብሓታታ ክትሕሉ ከም እትንቀሳቐስ ኣጠንቂቓ።

    ወሃቢ ቃል ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሊን ጂያን፡ ቻይና ነቲ "ዘይሕጋውን በይናውን”፡ ዝበሎ እገዳ ብጽኑዕ ከም እትቃወሞን፡ ረብሓታታ ንምሕላው "ኩሉ ኣድላዪ ስጉምትታት" ከም እትወስድን ገሊጹ።

    ሚኒስተር ፋይናንስ ኣመሪካ - ስኮት በሰንት ትማሊ ሰኑይ፡ ነዚ ሓድሽ ስጉምትታት እገዳ ኣብ ዘፍለጠሉ እዋን፡ ምስ ኢራን ብንግድን ገንዘብን እትሻረኽ ሃገር ሓቢራ ክትንፀል ምዃና ድሕሪ ምጥንቃቑ'ያ በይዢንግ ምላሽ ሂባ ዘላ።

    ቻይና፡ ብሰንኪ እቲ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ወደባት ኢራን ዘንበረቶ እገዳ ስዒቡ፡ ዋሕዚ ነዳዲ ኢራን እንተነከየ’ኳ፡ ከም ንቡር ዝዓበየት ዓዳጊት ነዳዲ ኢራን እያ።

    ሊን፡ "ምትሕብባር ቻይናን ኢራንን ኩሉ ግዜ ኣብ ክሊ ዓለማዊ ሕጊ ዝካየድ ኮይኑ፡ ዝዀነ ኢድ ክሰደሉ ወይ ድማ ብዝዀነ ኣካል ክዕንቀፍ ኣይንፈቅድን" ኢሉ።

    በሰንት፡ ነቲ ሓድሽ ስጉምቲ ኣብ ልዕሊ ኢራን "እቲ ዝዓበየ ፋይናንሳዊ መቕፃዕቲ" ክብል ብምግላጽ፡ ባንክታትን ትካላት ንግድን ምስታ ሃገር ዘለወን ርክብ ምቁራጽ እንተኣብየን፡ ምስ ኢራን ኣብ 'ተነጽሎ' ክካተታ ምዃነን ኣጠንቂቑ።

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ንመራሕቲ ዓለም "ምስቲ ስርዓት [ኢራን] ዘለዎም ርክብ ደው ከብሉ ክምሕፀን" ብቴሌፎን ከዛርቦም ምዃኑ’ውን ገሊጹ።

    ይኹን እምበር፡ በሰንት፡ ብዛዕባ ባንክታት ቻይና ንዝቐረበሉ ሕቶ እንትምልስ፡ ፡ "ካብ እገዳ ኣመሪካ ዘምልጥ ከምዘይህሉ" ብንጹር ክገልጽ ከምዝዀነ ገሊጹ።

  16. 'ዘለንስኪ ክምልሶም ዝግባእ ሕቶታት ብልሽውና ኣለዉ' - ምኒስተር ምክልኻል ነበር፡

    ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎዲሚር ዘለንስኪ፡ ኣብ ውሽጢ ዓንኬሉ ክምልሶም ዝግባእ "ሕቶታት ብልሽውና" ከምዘለዉ፡ ሚኒስተር ምክልኻል ማይክሃይሎ ፌዶሮቭ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

    ዕጡቓት ሓይልታት ዩክረይን ዘዘመነን ፈላሚ ውግእ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ ዝጀመረን ተባሂሉ ዝነኣድ ምኒስተር ፌዶሮቭ፡ ምስ ሓላፊ ዕጡቕ ሓይሊ ዩክረይን ዘይምቅዳዉ ስዒቡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ካብ ስርሑ ከም ዝተኣለየ ይዝከር።

    ንሱ ንቢቢሲ ኣብ ዘካየዶ ቃል፡ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተጀመረ መርመራ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ፡ ዘለንስኪ ኣብ ውሽጢ ዓንኬሉ ዘሎ ብልሽውና ዝምልከት ሕቶታት ከም ዘልዓለ ሓቢሩ።

    ፌዶሮቭ ብተወሳኺ "ዲሞክራሲ ብፑቲን ጅሆ ክተሓዝ የብሉን" ብምባል፡ ዋላ ኣብ እዋን ኲናት፡ ፕረዚደንታዊ መረፃ ክካየድ ጠሊቡ ኣሎ።

    ምእላይ'ቲ እቲ ወዲ 35 ዓመት ፌዶሮቭ ስዒቡ ዝተልዓለ ቁጥዐ ዝመልኦ ተቓውሞ ሰልፍታት፡ እናዘሓለ ብምምፃእ፡ ዝሓለፈ ረቡዕ ተዛዚሙ ኣሎ።

    ዩክረይን ኣብ 2022 ብሩስያ ሙሉእ ወራር ካብ ዝፍፀማ ንደሓር፡ ኣብ ትሕቲ ወተሃደራዊ ሕጊ ትርከብ፤ እዚ ማለት ድማ ​​መረፃ ደው ኢሉ ኣሎ ማለት እዩ።

    ፌዶሮቭ ግን ብዛዕባ መረፃ ዝርርብ ምጅማር "ሞራላዊ መሰል እዩ" ኢሉ።

    "ክንዛተየሉ ክንፈርሕ የብልናን። ዲሞክራሲ ንሱ'ዩ። ሓሳባተይ ከካፍልን ብዛዕባኡ ምስ ናይ ገዛእ ርእሰይ ሕብረተሰብ ግልፂ ክኸውንን እንተዘይክኢለ፡ ስለምንታይ ኢና ደኣ ንቃለስ ዘለና?፡ መረፃ እንተዘይተኻይዱ፡ ድሕሪ ሕጂ ዲሞክራሲያዊያን ኣይኰንናን፡" ኢሉ።

    ፕረደዚንት ዘለንስኪ ኣብዚ እዋን’ዚ ኣብ እዋን ኲናት ዝካየድ መረፃ ንዩክረይን ኣዝዩ ሓደገኛ ክኸውን’ዩ ዝብል እምነት ከም ዘለዎ ብሰንበት ኣብ ዝዘርግሖ መግለጺ ሓቢሩ።

    እዚ ከምዚ እናሃለወ፡ ቢሮ ጸረ ግዕዝይና ዩክረይን፡ ብዘይሕጋዊ ምስግጋር ገንዘብ ዝተኸሰሰ ሚኒስተር ጸዓት ነበር ዋሕስ ንምኽፋል ልዕሊ 3 ሚልዮን ዶላር ባጤራ ዩክረይን ብዘይግቡእ ንምጥቃም ዝዓለመ ውዲት ከም ዘቃልዐ ገሊጹ።

    ኣብዚ ጉዳይ ተሳቲፉ ዝተባህለ ላዕለዋይ በዓል ስልጣን ቤት ጽሕፈት ዘለንስኪ ካብ ስርሑ ተባሪሩ ኣሎ።

    ፌዶሮቭ፡ እቲ ጉዳይ ብዛዕባ እቲ ፕረዚደንት ኣብ ውሽጣዊ ዓንኬሉ ክህሉ ዝኽእል ብልሽውና ዘለዎ ኣፍልጦ ሕቶታት ከም ዘልዕል ገሊጹ።

    "ነዛ ሕቶ ይመልስ... ንኸምዚ ዝኣመሰለ ሕቶታት ድሉው ምዃኑ እኣምን። ነዚ ኩሉ ይፈልጥ ድዩ ኣይፈልጥን ንኹላትና ክነግረና ናቱ ሓላፍነቱ... ቀድሚኡ ግን፡ ዝዀነ ግምት ክህብ ኣይደልን እየ።"

  17. ንወዲ 7 ዓመት ወዱ 2000 ሜትሮ ብራኸ ኣብ ዘለዎ እምባ ዝገደፈ ኣቦ የዘራርብ

    ኣብ ጃፓን ንወዲ 7 ዓመት ወዱ ልስሉስ መስተን በሽኩትን ሂቡ ኣብ ሓደ እምባ ንበይኑ ዝገደፎ ኣቦ ብፖሊስ መጠንቀቕታ ተዋሂብዎ።

    እዚ ወዲ 48 ዓመት ኣቦ ምስ ደቁ እምባ ኣብ ዝሓኹርሉ ዝነበረ እዋን ወዱ ከም ዝደኸሞ ምስ ነገሮ፡ ኣብ ዘለዎ ንኽጸንሕ ዝበልዖን ዝሰትዮን ሂቡ ምስ ዓቢ ወዱ ጉዕዝኡ ከም ዝቐጸለ ይንገር።

    እቲ ወዲ 7 ዓመት ቈልዓ ኣብ 2000 ሜትሮ ብራኸ ዘለዎ ግመን ዝናብን ኣብ ዝውሓጦ እምባ ንሓያሎ ሰዓታት በይኑ ኮፍ ኢሉ ተረኺቡ።

    ኣብቲ እምባ ዘለው ሰራሕተኛታት ድማ ንፖሊስ ሓቢሮም።

    እቲ ኣቦ ምሕዃሩ ወዲኡ ምስ ተመልሰ ፖሊስ ወቒሶምዎ፤ እቲ ህጻን ንሸሞንተ ሰዓታት “ደኺሙን ተጨኒቑን” ከም ዝነበረ ገሊጹ።

    እቲ ኣቦ ብታህዋኽ ንዝወሰዶ ውሳነ ይቕሬታ ​​ሓተቱ።

    እዚ 3,776 ሜትሮ ልዕሊ ጽፍሒ ባሕሪ ዝርከብ እምባ ፉጂ፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ሓያሎ ሓደጋታት ዘጋጠመሉ እዩ።

    ኣብ ወርሒ ሓምለ ሓንቲ ጓል 99 ዓመት ጓል ኣንስተይቲ ወዲቓ ብኸቢድ ቈሲላ።

    ኣብ ዝሓለፈ ዓመት፡ ሓደ ወዲ 27 ዓመት ተመሃራይ ዩኒቨርሲቲ፡ ዝጠፍአት ሞባይሉ እናደለየ ክልተ ግዜ ካብ ሞት ኣምሊጡ።

    እምባ ፉጂ ካብ ቶክዮ ንደቡባዊ ምዕራብ ኣብ ዘሎ ንጡፍ እሳተ ጎመራ ዝርከብ ኰይኑ፡ ኣብ 2013 ሓድጊ ዓለም ተባሂሉ ተመዝጊቡ።

    ምስ እምባ ተይደን እምባ ሃኩን፡ ሓደ ኻብቶም “ሰለስተ ቅዱሳት ኣኽራናት ጃፓን” እዩ።

    ኣብ ዓመት ኣስታት 200,000 ሰባት ናብቲ እምባ ይድይቡ።

  18. ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ፡ ትራምፕ ሓድሽ 'መጥቃዕቲ' ንግዳዊ ኲናት ከም ዝኣወጀ ገሊጹ

    ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ ነቲ ሓድሽ ቀረጽ ኣመሪካ፡ ንካናዳ “ንምጉዳእን ንምብታንን” ዝተዳለወ “ጌጋ ቀመር” ክብል ገሊጽዎ።

    ትራምፕ- ኣብቲ ብዓርቢ ዝተኻየደ ዝርርብ ካብ ካናዳ ብዙሕ ከም ዝሓተተን ብወገኑ ግን ውሑድ ከም ዘቕረበን ዝገለጸ ካርኒ፡ ኣመሪካን ካናዳን ሕጂ ኣብ ንግዳዊ “ኲናት” ከም ዘለዋ ገሊጹ።

    "መጥቃዕቲ ምስ ዝፍጸመካ ኣብ ኲናት ትኣቱ፤ ንሕና ንጥቃዕ ኣለና" ኢሉ።

    ከም ውጽኢቱ ድማ ካብ 8 መስከረም ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ካብ ኣመሪካ ዝመጽእ ሓጺን፡ ጸባ፡ ኤሌክትሮኒክስን ካልእ ኣቑሑትን ቀረጽ ብምግባር ሕነ ክፈዲ ምዃኑ ገሊጹ።

    እቲ ዘይዕዉት ዝርርብ ንግዲ፡ ኣብ መንጐ ክልቲኤን ሃገራት ዝፀንሐ ሱር ዝሰደደ ንግዳዊ ርክብ ከሐርፍፎ እዩ።

    ክልቲአን ሃገራት ኣብቲ ዝርርብ ኣብ ስምምዕ ክበጽሓ ተስፋ ገይረን እኳ እንተነበራ፡ ክልቲኦም ወገናት ኣብ መወዳእታ ደቒቕ ሓሳቦም ምስ ቀየሩ እቲ ልዝብ ተቛሪጹ።

    ነዚ ስዒቡ ካናዳ ኣብ ርእሲ’ቲ ኣቐዲማ ኣብ ልዕሊ ፍርያት ሓጺን፡ ኣሉሚንየም፡ መካይንን ዕንጨይትን ኣመሪካ እትኽተሎ ዝነበረት ቀረጽ፡ ሓድሽ 50 ሚእታዊት ቀረጽ ክትገብር ወሲና።

    እዚ ሓድሽ ቀረጽ ውሱን ኰይኑ፡ ወይኒ፡ ፍርያት ጸባ፡ ሲሚንቶ፡ ክዳውንትን ስፖርታዊ ኣቑሑትን ሓዊሱ ካብ ካናዳ ናብ ኣመሪካ ኣብ ዝኣትው 20 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ምህርታት ብድምር ሓሙሽተ ሚእታዊት ዝሽፍን እዩ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ፡ ካናዳ ረብሓታታ ንምሕላው "ብዘየማትእ" ሕነ ትፈዲ ከም ዘላ ገሊጹ። ካርኒ ብተወሳኺ ዝርዝር ስጉምትታት ኣብ ዝቕጽሉ መዓልታት ክግለጽ ምዃኑ ገሊጹ።

  19. ትራምፕ፡ ካናዳ ከም ሓንቲ 'ግዝኣት ኣመሪካ' ክትርባሕ እያ ትደሊ ዘላ ክብል ከሲሱ

    ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ፡ ካናዳ "ግዝኣት ኣመሪካ ከይኰነት ከላ"፡ ነገር ግን ከም ሓንቲ ግዝኣት'ታ ሃgር ክትርባሕ ​እያ ትደሊ ዘላ- ክብል ከሲሱ።

    ንሱ፡ ብዓርቢ ምሸት ኣብ መንጎ ክልቲአን ሃገራት ዝተኻየደ ዘይዕዉት ንግዳዊ ዝርርብ ስዒቡ'ዩ ነዚ ርእይቶ ሂቡ።

    ትራምፕ፡ ከም ብሓድሽ 50 ሚኢታዊት ቀረጽ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ዝተፈላለዩ ኣቑሑት ካናዳ ካብ ዘንብር ንደሓር ኣብ ዝሃቦ ናይ መጀመርታ ርእይቶ፡ ሓረስቶት ኣመሪካ ንዓመታት "ብዙሕ መጠን ቀረጽ" ከም ዝኸፈሉ'ውን ተዛሪቡ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ማርክ ካርኒ፡ ነቲ ሓድሽ ቀረጽ "ክጎድኣናን ክኸፋፍለናን" ዝተዳለወ "ጌጋ ቀመር" እዩ ክብል ኰኒኑ ኣሎ።

    ካርኒ፡ ካብ 8 መስከረም ጀሚሩ "ዶላር ንዶላር" ዝኽፈል ቀረጽ ትራምፕ ከም ዝመዓራረ ኣረጋጊጹ።

    እዚ ድማ ኣብ ልዕሊ ምህርታት ሓጺነ-መፂን፡ ጸባ፡ መሳርሒታት ኤሌክትሮኒክስን ዝኽፈል ቀረጽ ይርከቦ።

    ኣመሪካን ካናዳን ሕጂ ኣብ ንግዳዊ "ኲናት" ከም ዘለዋ ሓቢሩ።

    ካርኒ ብሰንበት "ብዙሕ ሓቲቶም፡ ውሑድ ድማ ኣቕሪቦም" ኢሉ።

    ትራምፕ ዝሃቦም ርእይቶታት፡ ናብ ስልጣን ካብ ዝምለስ ኣትሒዙ ዘስመዖ ንካናዳ "መበል 51 ግዝኣት" ኣመሪካ ምግባር ዝብል ኣመተ ዘቃልሕ ኰይኑ፡ ኣብ መራሕታን ነበርታን ቁጥዐ ፈጢሩ'ዩ።

    ምፍሻል ናይቲ ንግዳዊ ዝርርብ፡ ነቲ ብዕምቆት ተዋሃሂዱ ዝፀንሐ ንግዳዊ ዝምድና ኣፍሪስዎ ይርከብ፣ ንጹር መንገዲ ፍታሕ ድማ የለን።

    "እቲ ዘቕረብዎ ክንቅበሎ ኣይንኽእልን ኢና፡ እቲ ዝሓተትዎ ድማ ኣይንህብን ኢና፡" ኢሉ ካርኒ።

  20. ኣብ መቐለ ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ስነስርዓት መኽፈቲ በዓል ኣሸንዳ ተሰሪዙ

    እቲ ብኣሽሓት ዝቝጸራ ተሳተፍቲ ዝእከባሉን በብዓመቱ ብድሙቕ ዝኽበርን ባህላዊ በዓል ኣሸንዳ፡ ሎሚ ዓመት ከምቲ ልሙድ ኣብ ስታድዩም መቐለ ከም ዘይካየድ ተገሊጹ።

    ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን ትግራይ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ሎሚ ቀዳም ክካየድ ተወጢኑ ዝነበረ ስነስርዓት መኽፈቲ በዓል ኣሸንዳ፡ ብሰንኪ ኣብቲ ክልል ይፍጸም ኣሎ ዝበሎ "ስግኣት መጥቃዕቲ ድሮን" ከም ዝተሰረዘ ኣፍሊጡ።

    ብዓል ኣሸንዳ፡ ኣዋልድ ብባህላዊ ኣልባሳትን ፍሉይ ስርሓት ርእስን ተመላኺዐን፡ ብደርፍን ሳዕስዒትን ንተኸታተልቲ መዓልታት ዘኽብራኦ ዓመታዊ ባህላዊ በዓል ኰይኑ፡ ኣብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ዝውቱር እዩ።

    ኣብ ትግራይ ዝካየድ ስነስርዓት፡ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ብርክት ዝበለ ህዝቢ ኣብ ዝተረኸበሉ ስታድዩም መቐለ ብድሙቕ ክኽበር ዝጸንሐ እኳ እንተዀነ፡ ሎሚ ዓመት ግን እቲ ትጽቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ስነስርዓት ከም ዘይህሉ ሰበ-ስልጣን ኣረጋጊጾም ኣለዉ።

    እቶም ሰበ-ስልጣን ነቲ ናይ ምኽፋት ስነስርዓት ከም ዝተሰረዘ ቅድሚ ምግላጾም፡ "ኣብ ልዕሊ ደቂ ኣንስትዮ ዝፍጸም ዘሎ ዓመጽን ግፍዕን ብቑዕ ስጕምቲ ኣይተወስደን" ብምባል፡ ጸሊም ብምልባስ "ጸሊም ኣሸንዳ" ብዝብል ድምጸን ንምስማዕ ዝንቀሳቐሳ ወገናት ምንባረን ይፍለጥ።

    ነዚ ስዒቡ ድማ ቤት ጽሕፈት ባህልን ቱሪዝምን፡ ካብቲ ልሙድ ባህላዊ ስነስርዓት ወጻኢ ዝዀነ ይዅን ካልእ ምንቅስቓሳት ክግበር ከም ዘይብሉ ኣተሓሳሲቡ ነይሩ።

    ኣብዘን ዝሓለፉ ኣዋርሕ ኣብ መንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ህወሓትን ዘሎ ምስሕሓብ፡ ምውንጃልን ግጭታትን እናገደደ ብምምጽኡ፡ ኣብቲ ክልል ዳግማይ ኵናት ክለዓል ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ዓሲሉ ይርከብ።

    ግዝያዊ ምምሕዳር ፈሪሱ፡ እቲ ክልል ዳግማይ ኣብ ትሕቲ ቍጽጽር ህወሓት ካብ ዝኣቱ ንደሓር፡ ኣብ መንጎ ክልተኦም ወገናት ዘሎ ወጥሪ እናገደደ ክኸይድ ጸኒሑ እዩ።

    ኣብዘን ዝሓለፋ መዓልታት’ውን መጥቃዕቲ ድሮን ከም ዝተፈጸመ ዝገልጹ ጸብጻባት ክወጽኡ ጸኒሖም እዮም።