ክልተ ወተሃደራት እስራኤል ብዕጡቓት ፍልጤም ተቐቲሎም

ምንጪ ስእሊ, AFP
ክልተ ወተሃደራት እስራኤል ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ፍልስጤም ከምዝተቐትሉ ሰራዊት እታ ሃገር ሓቢሩ።
ኣብቲ ምስቶም ክልተ ፍልስጤማውያን ዕጡቓት ዝተኻየደ ምልውዋጥ ተዂሲ ካልኦት ሰለስተ እስራኤላውያን'ውን ቆሲሎም ኣለዉ።
እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ኣፍደገ ከተማ ሄብሮን ኣብ ዝርከብ ነቚጣ ፍተሻ'ዩ ኣጋጢሙ።
እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ክልተ ዕጡቓት ኣብቲ ረጽሚ ከምዝተቐትሉ ሰብመዚ ገሊጾም።
ብቕትለት ወተሃደራቱ ዝተቖጥዐ ቀዳማይ ሚኒስተር በንጃሚን ነታንያሁ፡ እቲ ሰፈራታት እስራኤል ዝርከቦን ኣብ ትሕቲ ምምሕዳር ፍልስጤም ዘሎን ምዕራባዊ ገማግም ካብ ሎሚ ዓርቢ ጀሚሩ ኣብ ምሉእ ዕጽዋ ክኣቱ ኣዚዙ'ሎ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ሕሉፋት እስራኤላውያን ሰፋሮ ኣብ ሓያሎ ቦታታት እቲ ገማግም ወጥሪ ፈጢሮምሉ ኣብ ዘለዉ እዋን'ዩ እዚ ስጉምቲ ተወሲዱ ዘሎ።
ኣብታ እቶም ዕጡቓት ሒዞማ ዝነበሩ መኪና ብርክት ዝበለ ተተኮስቲ ከምዝተረኽበ ሰራዊት እስራኤል ጠቒሱ።
እዚ ሓድሽ ኲነታት ነቲ ኣብ ዝመጽእ ሰሙን ዝካየድ ሓፈሻ ምርጫ እስራኤል ክጸልዎ ጀሚሩ ከምዘሎ ይግለጽ።
እቲ ንሻውዓይ ግዜ መራሒ እታ ሃገር ክኸውን ዝወዳደር ዘሎ ነታንያሁ ድሮ ነቲ ፍጻመ ክጉስጉሰሉ ጀሚሩ'ሎ። ጉዳይ ጸጥታን ድሕነትን እስራኤል ሓደ ካብቶም ነታንያሁ ደገፍ ዝረኽበሎም ዓበይቲ ሃገራዊ ጉዳያት እዮም።
ቀንዲ ተቐናቓኒኡን ኣብቲ ምርጫ ዝመርሕ ዘሎን ጋዲ ኢሰንኮት በቲ መጥቃዕቲ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ'ሎ።








