ኣይስላንድ፡ ውፅኢት ህዝበ-ውሳነ ንኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ይነፅግ

ምንጪ ስእሊ, Reuters
ኣይስላንድ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዳግማይ ዝርርብ ንምጅማር ኣብ እትዳለወሉ እዋን፡ ህዝቢ ኣንጻር ኣባልነት ኣድሚፁ፤ ናይ ሓደ ጣብያ መረፃ ጥራይ ዘይተቘፀር ተሪፉ።
ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተቖጽሩ 188,496 ድምጽታት፡ 52.5 ሚኢታዊት ንእማመ’ቲ መንግስቲ ክነጽግ እንከሎ፡ 47.5 ሚኢታዊት ድማ ናይ ምፅምባር ድሌት ኣንፀባሪቝ።
ቀዳማይቲ ሚኒስተር ክሪስትሩን ፍሮስታዶቲር እትመርሖ መንግስቲ፡ ክሳብ 2027 ህዝበ-ውሳነ ከካይድ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድ ዘስመዖ ናይ ምጥቕላል ምፍርራሕ ሓዊሱ፡ ዓለማዊ ወጥሪ፡ ንቕድሚት ከምፀኦ ኣገዲዱዎ።
ይኹን እምበር፡ ኣብዛ ኣስታት 400 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ደሴታዊት ሃገር፡ እቲ ጉዳይ፡ ንጸጥታዊ ስክፍታታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ምግፋፍ ዓሳኣ ዘተኰረ እዩ ነይሩ።
ድሮ ኣካል ናይቲ ሓደ ዕዳጋ ሕብረት ኤውሮጳን ነፃ-ቪዛ ሸንገንን ዝኾነት ኣይስላንድ፡ ሙሉእ ኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ሓደ ዓይነት ጉምሩክን ዩሮን ክትጥቀም ከኽእላ ይኽእል እዩ።













