እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።

ናብ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታ ንምብጻሕ [መላግቦ ‘ምሉእ ትሕዝቶ’] ተጠቐሙ

ብዛዕባ ዳታ ምቝጣብ ንምፍላጥ ኣብዚ መላግቦ ነዚ ዝገልጽ ዓንቀጽ ጠውቑ

ትራምፕ ምቍራጽ ተዅሲ ኢራንን እስራኤልን ግብራዊ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ዶናልድ ትራምፕ ኣቐዲሙ ኣብ ትሩዝ ሶሻል ኣብ ዝዘርግሖ ጽሑፍ "እቲ ተኹሲ ደው ምባል ሕጂ ተግባራዊ ኰይኑ ኣሎ። በጃኹም ኣይትጥሓሱዎ!” ኢሉ።

ጽማቝ ሓበሬታ

  • ምኒስተር ምክልኻል እስራኤል፡ ኢራን ነቲ ብመንጐኝነት ትራምፕን ቐጠርን ዝተበጽሐ ውዕል ምቍራጽ ተዅሲ ከምዝጠሓሰት ትኸስስ።
  • እቲ ምኒስተር፡ ኣብ ልዕሊ ሕምብርቲ ቴህራን ተሪር ግብረመልሲ ክወሃብ ምዃኑ ገሊጹ።
  • ኢራን ንክሲ እስራኤል ነጺጋቶ ኣላ።
  • ኢራን ኣቐዲማ፡ኢራን በቲ ስምምዕ ትቕየድ እንተዀይና ንሳ'ውን ከም እተኽብሮ ገሊጻ ነይራ።
  • ዝሓለፈ ለይቲ፡ እዚ ግጭት ካብ ዝጅምር ኢራን እቲ ዝኸበደ ዝበሃል ደብዳብ ከምዘሕለፈት ክግለጽ እንከሎ፤ ኣብ እስራኤል ድማ 4 ሰባት ብደብዳብ ኢራን ከምዝተቐትሉ ተገሊጹ።
  • ኢራን ብሰኑይ ምሸት ኣብ ቐጠር ንዝርከብ ወተሃደራዊ መደበር ኣመሪካ ብሚሳይላት ከምዝደብደበት ይዝከር።

ቀጥታዊ ሸፈነ

  1. ጸቕጢ ኣእምሮ ንምቍጽጻር ዘገልግል 'ሜላ ምስትንፋስ' እንታይ እዩ፡ ከመይከ ይሰርሕ?

  2. ካብ ሆርሙዝ ክሳብ ዓደን፡ ኲናት ኣመሪካን ኢራንን ንሸፋቱ ባሕሪ ሶማልያ ከመይ ኣሐይልዎም?

  3. ኣይስላንድ፡ ውፅኢት ህዝበ-ውሳነ ንኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ይነፅግ

    ኣይስላንድ፡ ምስ ሕብረት ኤውሮጳ ዳግማይ ዝርርብ ንምጅማር ኣብ እትዳለወሉ እዋን፡ ህዝቢ ኣንጻር ኣባልነት ኣድሚፁ፤ ናይ ሓደ ጣብያ መረፃ ጥራይ ዘይተቘፀር ተሪፉ።

    ክሳብ ሕጂ ካብ ዝተቖጽሩ 188,496 ድምጽታት፡ 52.5 ሚኢታዊት ንእማመ’ቲ መንግስቲ ክነጽግ እንከሎ፡ 47.5 ሚኢታዊት ድማ ናይ ምፅምባር ድሌት ኣንፀባሪቝ።

    ቀዳማይቲ ሚኒስተር ክሪስትሩን ፍሮስታዶቲር እትመርሖ መንግስቲ፡ ክሳብ 2027 ህዝበ-ውሳነ ከካይድ ምዃኑ ቃል ኣትዩ'ኳ እንተነበረ፡ ፕረዚደንት ኣመሪካ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ግሪንላንድ ዘስመዖ ናይ ምጥቕላል ምፍርራሕ ሓዊሱ፡ ዓለማዊ ወጥሪ፡ ንቕድሚት ከምፀኦ ኣገዲዱዎ።

    ይኹን እምበር፡ ኣብዛ ኣስታት 400 ሽሕ ህዝቢ ዝነብረላ ደሴታዊት ሃገር፡ እቲ ጉዳይ፡ ንጸጥታዊ ስክፍታታት ዘይኰነስ፡ ኣብ ኢንዱስትሪ ምግፋፍ ዓሳኣ ዘተኰረ እዩ ነይሩ።

    ድሮ ኣካል ናይቲ ሓደ ዕዳጋ ሕብረት ኤውሮጳን ነፃ-ቪዛ ሸንገንን ዝኾነት ኣይስላንድ፡ ሙሉእ ኣባልነት ሕብረት ኤውሮጳ ሓደ ዓይነት ጉምሩክን ዩሮን ክትጥቀም ከኽእላ ይኽእል እዩ።

  4. ኣመሪካዊት-ኤርትራዊት ቲፋኒ ሓድሽ፡ንሚስ ዎርልድ ኤርትራ ስኒት ሃብተኣብ ድጋፋ ገሊጻ

  5. 'ሓሰኻ ዲያብሎስ'፡ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ንሚልዮናት ዓመታት ዝጸንሐ ፍጥረት

  6. ኔፓል-ቲቤት፡ ፃዕርታት ህይወት ምድሓን ምስ ፅንኩር ኩነታት ኣየር ይቕፅል, ኣስታት 3 ሽሕ ሰባት ደሃዮም ኣይተረኽበን

    ሰበስልጣን ኔፓል፡ እቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ውሕጅ ስዒቡ፡ ዛጊድ 734 ሰባት ከምዝሞቱ ኣረጋጊፆም። ብህይወት ዝተረኽበ ውፃእ መዓት የለን።

    መንግስታዊ ማዕከናት ዜና ቻይና፡ ብወገን ቲቤት ብዝሒ ዝሞቱ ናብ 16 ከምዝዓበየ ይሕብራ።

    ቻይና ሓበሬታ ብጥብቂ ስለእትቈፃፀር፡ ብወገን ቲቤት ክብደት ናይቲ ሓደጋ ንምግምጋም ኣፀጋሚ ገይሩዎ ከምዘሎ ይግለፅ።

    ብወገን ኔፓል ልዕሊ 2,400 ሰባት ዛጊድ ደሃዮም ኣይተፈልጠን፡ ቻይና ድማ 261 ወጻእተኛታት ዜጋታት ዝርከብዎም 546 ሰባት ደሃዮም ከምዘይተረኽበ ኣፍሊጣ ኣላ።

    ናብቲ ከባቢ ሓገዝ ክኣቱ ጀሚሩኳ'ኳ እንተነበረ፡ ሕማቕ ኣቀማምጣ መሬትን ዘየቋርፅ ዝናብን ግን ምብጻሕ ኣዝዩ ኣጸጋሚ ይገብሮ ከምዘሎ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ።

    ኣብ ኔፓል፡ ቀትርን ለይትን ዝሰርሑ ዘለዉ ሰራሕተኛታት ረድኤት፡ ኣብቶም ብውሕጅ ዝተሃስዩ ከባቢታት፡ ኣብ ታንከራትን ሃይድሮኤሌክትሪክን ተዓጽዮም ንዝርከቡ ሰራሕተኛታት ንምብፃሕ፡ ምስ ፅንኩር ኩነታት ኣየር ይቃለሱ ኣለዉ።

  7. 'ጓል ሽዱሽተ ዓመት ከለኹ ወርሓዊ ጽግያት ጀሚረ'

  8. ብሰንኪ ጃምላዊ ቅትለት ሩዋንዳ ንመዋእል ማእሰርቲ ዝተፈርደ ውልቀሰብ

  9. ኣመሪካ ንምንታይ ንሓይልታት ኩርዲ እትህቦ ወተሃደራዊ ሓገዝ ከተቋርጽ ወሲና?

  10. ግምታት ፕሪምየር ሊግ እንግሊዝ፡ ማን ዩናይትድ ናብ ዓወት ትምለስ'ዶ ትኸውን?

  11. 'ገበናዊ ብልሹው ምሕደራ'፡ ኣንጻር ጃኒ ኢንፋንቲኖ ተላዒሉ ዘሎ ሕጋዊ ማዕበል

  12. ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ሙዚቀኛ ናይ ደቡብ ኣፍሪቃ ዑደቱ ሰሪዙዎ

    ፍሉጥ ኣፍሪቃዊ ሙዚቀኛ ሳሊፍ ከይታ ብሰንኪ ኣንጻር ስደተኛታት ዝግበር መጥቃዕትታትን ጐስጓሳትን ናብ ደቡብ ኣፍሪቃ ክገብሮ ዝሓሰበ መደብ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።

    ከይታ ኣብ ኣውራጃ ፍሪ ስቴት ከካይዶ መዲብዎ ዝነበረ ምርኢት ምስራዙ ከምዘጉሃዮም ሰብመዚ እቲ ዞባ ገሊጾም ኣለዉ።

    እቲ ወዲ 77 ዓመት ድምጻዊ፡ ብዛዕባ'ቲ ጉዳይ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ "ኣንጻር ኣፍሪቃውያን ኣሕዋትናን ኣሓትናን ዝግበር ጽልኢ ንዝገልጽ ጸብጻባት ዕሽሽ ከምዘይብሎ" ኣነጺሩ።

    "ስደተኛታት ክጥቅዑ ክርኢ እንከለኹ፡ 'ፖለቲካ' ኣይራኣየኒን እዩ። ስራሕ፡ ውሕስነትን ክብረትን ዝደለዩ ሰባት'ዮም ዝራኣዩኒ" ይብል እቲ "ወርቃዊ ድምጺ ኣፍሪቃ" ተባሂሉ ዝፍለጥ ስነጥበባዊ ስለምንታይ ነቲ ስጉምቲ ከምዝወሰደ ኣብሪሁ።

    ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣንጻር ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዘነጻጸረ መጥቃዕትታትን ጽልእን ንብዙሕ ዓመታት ክቕጽል ዝጸንሐ'ኳ እንተኾነ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ውዱብ ተቓውሞታትን ጐስጓሳትን ክካየድ ምጽንሑ ግን ንማሕበረሰባት ስደተኛታት ዓቢ ስግኣት ኮይኑ ይርከብ።

    ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ'ውን ዜጋታተን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከውጽኣ ምጽንሐን ይዝከር።

  13. ንጉስ ኖርወይ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ዓሪፉ

    ንጉስ ኖርወይ ሃራልድ 5ይ ኣብ መበል 89 ዓመቱ ኣብ ርእሰከተማ ኦስሎ ዓሪፉ።

    ንጉሳዊ ቤተሰብ እታ ሃገር ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ንጉስ ሎሚ ወጋሕታ 28 ታሕሳስ ብሰላም ከምዝዓረፈ ኣፍሊጡ።

    ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ሰሜን ኣውሮጳዊት ሃገር ዮናስ ጋህር ስቶረ ዝርከቦም መራሕቲን ነገስታትን ዓለምን፡ ከምኡ'ውን ህዝቢ እታ ሃገር ሓዘኖም ይገልጹ ኣለዉ።

    ወዲ 53 ዓመት ወዱ ልኡል ሃኮን ዘውዲ ወላዲኡ ብምውራስ ሓድሽ ንጉስ ኮይኑ ኣሎ።

    እቲ ኣብ ኣውሮጳ ብዕድመ ዝዓበየ ንጉስ ኮይኑ ዝጸንሐ ሃራልድ፡ ወላዲኡ ንጉስ ኦለቭ ኣብ ጥሪ 1991 ምስ ዓረፈ'ዩ ናብ ዙፋን ደይቡ።

    ኣብ 1968 ነታ ዝፈትዋ ዝነበረ ናይ ንግስነት ዘርኢ ዘይብላ ብዓልቲ ቤቱ ሶንያ ሃራልድሰን ብምምርዓዉ ኣብ ታሪኽ ንግስነት እታ ሃገር ፈላሚ ታሪኽ ከምዘመዝገበ'ዩ ዝንገረሉ። ደቊ'ውን ኣሰሩ ብምኽታል ካብ ንግስነት ወጻኢ ሓዳር ክምስርቱ ተራእዮም እዮም።

    ኖርወይ ሓንቲ ካብ ሃብታማት ሃገራት ስካንዲናቪያ ኮይና ብዝሒ ህዝባ ልዕሊ 5.6 ሚልዮን ይበጽሕ።

  14. ኔፓል-ቲበት፡ ቊጽሪ ግዳያት ልዕሊ 600 በጺሑ

    ብሰንኪ'ቲ ኣብ ዶብ ኔፓልን ቲበትን ዘጋጠመ ደምሳሲ ውሕጅ ዝሞተ ሰባት ዛጊት 547 ሰባት በጺሑ።

    ልዕሊ 1000 ካልኦት ሃለዋቶም ከምዘይተፈልጠ ሰበስልጣን ኔፓልን ቻይናን ሓቢሮም ኣለዉ። ካብዚኦም 558 ብወገን ቲበት ጠፊኦም ዘለዉ ኮይኖም፡ ብወገን ኔፓል'ውን 500 ዝኣኽሉ ሰባት ኲነታቶም ኣይተፈልጠን።

    ብህይወት ንምርካቦም ክካየድ ዝጸንሐ ጻዕርታት ኣብ ወሳኒ መድረኽ በጺሑ ከምዘሎ ሰብመዚ ቻይና ገሊጾም ኣለዉ።

    ብዙሓት በጻሕቲ ግዳያት ናይቲ ሓደጋ ከምዝኾኑ ዝገልጹ ሰብመዚ ኔፓል፡ ዛጊት ኣስታት 100 ወጻእተኛታት ድሒኖም ከምዘለዉ ሓቢሮም።

    ብዙሓት ስድራቤታት ድሃይ ሃለዋት ዘጥፍኡ ኣባላተን ንምፍላጥ ኣብ ከቢድ ሻቕሎትን ተርባጽን ይርከባ ኣለዋ።

    ጠንቂ ናይቲ ብረቡዕ ዘጋጠመ ሓደጋ ምህማም ኣብ ኣኽራናት ናይቲ ከባቢ ዝነበረ ከውሒ በረድ ምዃኑ ይግለጽ።

  15. ሱዳን፡ ኣብ ካርቱም ንኽልተ ዓመት ዝጸንሐ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ተላዒሉ

  16. ዮሩሳሌም፡ ንሓንቲ መነኮስ ዘጥቅዐ እስራኤላዊ ስለምንታይ ካብ ክሲ ናጻ ተባሂሉ?

  17. ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ነሓሰ ጥራይ እንተ ወሓደ 60 ኢትዮጵያውያን ምስ ዕጸ-ፋርስ ብዝተሓሓዝ ተታሒዞም

  18. እቲ ንዅሉ ዝወሰደ ውሕጅ፡ 'ኣቦይ፡ ኣደይ፡ ሓፍተይ፡ ደቂ ሓፍተይ ኣብ ቅድሚ ዓይነይ ተወሲዶም'

  19. ብምጽናት ዓሌት ገበነኛ ኮይኑ ዝተረኽበ 'ሓራዲ ቦዝንያ' ሞይቱ

    ብምጽናት ዓሌት ንሕልፈት ተፈሪዱ ዝነበረ ቦስንያዊ-ሰርብ ኣዛዚ ሰራዊት ነበር ኣብ ማእሰርቲ ሞይቱ።

    እቲ "ሓራዲ ቦዝንያ" ዝብል ቅጽል ዝተዋህቦ ወዲ 84 ዓመት ጀነራል ራትኮ ምላዲች ኣብታ ዩጐስላቪያ ተባሂላ ትፍለጥ ዝነበረት ምብራቕ ኣውሮጳዊት ሃገር፡ ብፍላይ ኣብ ልዕሊ ሰዓብቲ እስላም ቦዝንያውያን ዝፈጸሞ ጃምላዊ ቅትለታት ንዓመታት ክህደን ድሕሪ ምጽናሕ'ዩ ኣብ 2017 ተፈሪዱ።

    ንሱ ዝመርሖም ዝነበረ ሓይልታት ቦዝንያ-ሰርብ ብኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰባት ክቕትሉ እንከለዉ፡ ኣብ ልዕሊ ደቂኣንስትዮ ዘስካሕክሕ ጾታዊ ዓመጽ ከምዝፈጸሙ ይፍለጥ።

    ምላዲች ኣብ ሄግ (ነዘርላንድስ) ኣብ ዝርከብ ቤትማእሰርቲ ሕቡራት ሃገራት'ዩ ካብዛ ዓለም ብሞት ተሰናቢቱ ዘሎ።

    እቲ ንዩጎስላቭያ ናብ ሓያሎ ሃገራት ዝጐዛዘየ ኲናት ብምትእትታው ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ (ኔቶ) ድሕሪ ምህድኡ፡ ተሰዊሩ ድሕሪ ምጽናሕ ኣብ 2011 ኣብ ሓደ ደንበ ተሓቢኡ ጸኒሑ።

    እቲ ሓይልታቱ ዝፈጸምዎ ግፍዒ ድሕሪ'ቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ብሰራዊት ሂትለር ዝተፈጸመ፡ እቲ ዝኸፍአ ምዃኑ ይንገር።

  20. ኣሸሓት ኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን ኣብ ስርሒት ህይወት ምድሓን ይሳተፉ'ለዉ

    ኣብ ዶብ ኔፓል-ቲቤትን ትማሊ ዘጋጠመ ከቢድ ውሕጅ፡ ሰራሕተኛታት ህይወት ኣድሕን፡ ካብ ሞት ዝደሓኑ ሰባት ይደልዩ ኣለዉ።

    ሃገራዊ በዓል መዚ ምሕደራ ሓደጋታት ኔፓል፡ 9,260 ኣባላት ፖሊስን ሰራዊትን ኣብቲ ስርሒት ይሳተፉ ከምዘለዉ ሓቢሩ።

    ኣብ ልዕሊ መንበሪ ኣባይቲ፡ ጽርግያታትን ድልድላትን ዝርከቡዎም ትሕተ-ቅርፂ ሰፊሕ ዕንወት በፂሑ ኣሎ።

    ምሉእ ስፍሓት ናይቲ ሓደጋ ገና ኣብ ምፅራይ ርከብ ኰይኑ፡ መብዛሕትኦም ካብቶም ደሃዮም ጠፊኡ ዘሎ፡ ወጻእተኛታት ዜጋታት እዮም።

    ፖሊስ ኔፓል ሕዚ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ብሰንኪ እቲ ሓደጋ ብዝሒ ዝሞቱ ናብ 359 ክብ ከምዝበለ የመልክት። ከምኡ ድማ፡ ልዕሊ 900 ሰባት ዛጊድ ደሃዮም ኣይተረኽበን።

    ብወገን ቲቤት፡ ብውሕዱ 558 ደሃዮም ከምዘይተረኽበ መንግስታዊ ሚድያ ቻይና ፀብፂቡ።

    እቲ ኣሃዛት፡ ምስቲ ብወገን ኔፓል ዝተገልፀ ሓዊሱ ድዩ ኣይኰነን፡ ንጹር ኣይኮነን።

    ቅድሚ ሕጂ ኣብ ኔፓል ተመሰሳሊ ሓደጋ ውሕጅ ዝረኣየ ሓደ ፍሉጥ ተቐዳዳማይ ኣኽራናት፡ ከምዚ ዓይነት ሃንደበታዊን ሓደገኛን ሓደጋ ርእዩ ከምዘይፈልጥ ንቢቢሲ ገሊጹ።