ኩለን ሃገራት ንልኡላውነት ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ወኪል ኣመሪካ ተማሕጺና

ምንጪ ስእሊ, US Embassy Asmara
ኩለን ሃገራት ንልኡላውነትን ዶባትን ኤርትራ ከኽብራ ሓዳስ ፈጻሚት ጉዳያት ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ተማሕጺና።
ክሪስቲን ኢ መየር ኣብ ማሕበራዊ ገጽ ኤምባሲ ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ኣብ ዘውጽኣቶ ጽሑፍ'ያ ነቲ መግለጺ ሂባ።
ሃገራ ንልኡላውነት ኤርትራ ከምእተኽብሮ'ውን እታ ኣብዚ ቀረባ እዋን ናብ ኣስመራ ዝተመደበት ኣመሪካዊት ዲፕሎማሰኛ ኣነጺራ።
ንዕረፍቲ ናብ ሃገራ በጺሓ ከምእትምለስ ዝጠቐሰት መየር፡ "ኤርትራ ቅድሚ 35 ዓመት ናጽነታ ከምዝተጓናጸፈት ክነግር እየ" ኢላ።
"ኩለን ሃገራት'ውን ንልኡላውነትን ንጹር ዶባትን ኤርትራ ከኽብርኦ ይግባእ - ከምቲ ኣመሪካ እተኽብሮ።"
ኣብ መንጐ ኣስመራን ዋሽንግተንን ዝጸንሐ ሓርፋፍ ዝምድና ኣብ ክልቲኡ እብረ ምምሕዳር ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ንምምሕያሹ ጽምዶ ክግበር ምጽንሑ ይፍለጥ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘንበረቶ እገዳታት ክለዓል ትጽቢት ተገይሩ'ኳ እንተነበረ ብዘይተነጸረ ኲነታት ኣብ ግብሪ ኣይወዓለን።
ገለ ካብቲ እገዳ ምስ ምእትእትታው ኤርትራ ኣብ ኲናት ትግራይ ዝተኣሰሰር ኮይኑ፡ ንትካላት ህግደፍ፡ ሰራዊት ምክልኻልን ላዕለዎት ሓለፍቲ ጸጥታን ዒላማ ዝገበረ'ዩ ነይሩ።
ምምሕዳር ትራምፕ ሓፈሻዊ ፖሊሲኡ ኣብ ጉዳይ ስደተኛታትን ኢሚግሬሽንን መሰረት ብምግባር'ውን ንኤርትራውያን ግዳይ እገዳ ቪዛ ገይሮዎም ምህላዉ ይፍለጥ።
ላዕለወይ ኣማኻሪ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጉዳያት ማእከላይ ምብራቕን ኣፍሪቃን ማሳድ ቡሎስ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ተራኺቡ ምንባሩ ይዝከር።
እቲ ምስ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ ኣብ ክልተኣዊ ዝምድናታት ክልቲአን ሃገራት ዘተኰረ ዝርርብ "ጽቡቕን ኣፍራይን" ከምዝነበረ'ውን ኣብሪሁ ነይሩ።
ማሳድ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተኻየደ ርክብ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ዝርርብ "ኣብ ንግዲ፡ ዞባዊ ቍጠባዊ ምዕባለን ጸጥታን" ዘተኰረ ምንባሩ'ዩ ኣፍሊጡ።
እቲ ኣመሪካዊ ወኪል ኣብ ካይሮ ኣብ ዝጸንሓሉ እዋን ምስ ሚኒስተራት ጉዳያት ወጻኢ ግብጺ፡ ኤርትራን ሶማልያን ዘካየዶ ርክብ "ጸረ-ኢትዮጵያ" ከምዘይነበረ'ውን ኣነጺሩ ነይሩ።

ምንጪ ስእሊ, US Embassy
ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ንመበል 250 ዝኽሪ ናጽነት ኣመሪካ ኣብ ዝተኻየደ ጽንብል "ከም ናይ ክብሪ ጋሻ" ተሳቲፉ።
ኣብዚ ቀረባ እዋን ነታ ናይ ሰለስተ ዓመት ዑደታ ዛዚማ ዝተመልሰት ለዝሊ ፍረሪክሰን ብምትካእ ሓዳስ ወኪል ኣመሪካ ኣብ ኤርትራ ኮይና ዘላ ክሪስቲን መየር፡ ክረምቲ ርእሰከተማ ኣስመራ ከምዘስተማቐረቶ'ውን ከየካፈለት ኣይሓለፈትን።
ኣብ ፈለማ ወርሒ ሓምለ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ዑስማን ሳልሕ ንመበል 250 ዝኽሪ ናጽነት ኣመሪካ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ጽንብል ኤምባሲ ዋሽንግተን "ከም ናይ ክብሪ ጋሻ" ተሳቲፉ ነይሩ።
ኬክ ኣመሪካ ክቖርጽ ዝርአ ሚኒስተር ዑስማን፡ ኣብ መንጎ ኣስመራን ዋሽንግተንን ንዓመታት ሓርፊፉ ዝጸንሐ ዝምድና ንምምሕያሽ ብክልቲኡ ወገናት ተበግሶታት ኣብ ዝውሰደሉ ዝነበረ እዋን ብምንባሩ መርኣያ ዲፕሎማስያዊ ምቅርራብ ኮይኑ ተራእዩ ነይሩ።
"ኣብዚ ክረምቲ'ዚ ንኣስመራ ኣስተማቒረያ እየ- ጽዑቕ ህይወትን ጸዓትን ዘለዋ፡ ዝያዳ ድማ ብዙሓት ካብ ዳያስፖራ ምስ ምምጽኦም" ክትብል ነቲ ብተዛማዲ ሓጺር ፈላሚ ጻኒሒታ ገሊጻቶ።
ኣብ መወዳእታ መስከረም ናብታ ከተማ ከምእትምለስ ብምግላጽ፡ ንደወል ኣብያተ-ክርስትያን ኣዛን መሳጊድን፡ ከምኡ'ውን ዘይመሪር ዝግንን ጀላተን ኣስመራ ከምዝመቀራ ተዛሪባ'ላ።
ኣብቲ ኣብ ፌስቡክ ዝወጸ መግለጺ እታ ኣመሪካዊት ወኪል ዝወሃብ ርእይቶታት ግን ገሊኡ ንዝሃበቶ መግለጺ ክድግፍዎ እንከለዉ፡ ካልኦት ድማ ንፖለቲካዊ፡ ቊጠባዊን ማሕበራዊ ኲነታትን እታ ሃገር ዝጐሰየ ብምዃኑ ይነቕፍዎ ኣለዉ። ካብ ኣስመራ ውጽእ ኢላ ንኲነታት እታ ሃገር ክትመዝኖ ዝመኸሩ'ውን ኣይተሳእኑን።
"ንዕረፍቲ ናብቲ ኣብ ቴክሳስ ዝርከብ ገዛይ ኣብ ዝምለሰሉ ዘለኹ እዋን፡ ንመሓዙተይ፡ ቤተሰበይን መሳርሕተይን ባዛዕባ ኤርትራ ክነግሮም ዝደሊ ዝርዝር ነገራት አዳሉ ኣለኹ።
"ኤርትራ ሓዳስ ሃገር እያ፡ ብተዛማዲ ብዙሓት ኣመሪካውያን ዝፈልጡዋ ኣይኮነትን" ብምባል ተፈላጥነት እታ ኣፍሪቃዊት ሃገር ንምስፋሕ ከምእትጽዕር ኣሚታ።
መየር፡ ገዲም ዲፕሎማሰኛ ኮይና፡ ኣብ ሆንግ ኮንግ፡ ቨነዙዌላ፡ ኮሎምቢያ፡ ኣርጀንቲና፡ እስራኤል፡ ግብጺ፡ ጋያናን ስዑዲ ዓረብን ተመዲባ ከምዝሰርሐት ሰነዳት ክፍሊ ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ የመልክት።













![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)


