ትግራይ፡ ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርጊስ ምስ ሓለውቱ ኢዱ ከምዝሃበ ተገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, BraKheshow
ኣዛዚ እዚ ግንባር ደቡብ ዝኰነ ሜጀር ጀነራል ዮሃንስ ወ/ጊዮርጊስ ፡ ንሰራዊት ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያን መሻርኽቱ ንዝኾኑ ሓይልታት ሰላም ትግራይን ኢዱ ከምዝሃበ ምስ ሰራዊት ኢትዮጵያ ቅርበት ዘለዎም ክልተ ምንጪታት ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ጆን መዲድ ብዝብል ዝፍለጥ ጀነራል ዮሃንስ፡ ኣብ ርእሲ ኣዛዚ ግንባር ደቡብ ምዃኑ፡ ኣባል ሴንትራል ኮማንድን ኣባል ወተሃደራዊ ኮምንድን ሓይልታት ትግራይ እዩ ነይሩ።
ሎሚ ዕለት ሰኑይ ኣብ ዞባ ማእከል፡ ወረዳ ራማ፡ ቁሸት ስምረት ኣብ ዝተብሃለት ከባቢ፡ ጂን መዲድ ምስ ሓለውቱ፣ ካልኦት ኮሎኔል መዓርግ ዘለዎም ሸውዓተ ኣዘዝቲ ዝርከቡዎም ከልኦትን፡ ብሰራዊት ምክልካል ሃገርን መሻርኽቱን ተኸቢቡ ምንባሩ፡ ካብቶም ምንጭታት ምርዳእ ተኻኢሉ።
ኣብዚ እዋን ኣብ ከተማ ዓድዋ ከምዘሎ'ውን ሓደ ካብቶም ምንጪታት ንቢቢሲ ሓቢሩ።
ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብነጠፍቲ ደገፍቲ መንግስቲ ዝዘዋወር ዘሎ ሓበሬታ ምርግጋፅ ኣይተኸኣለን።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ክሳብ ሕጂ ብዛዕብኡ ዘውጽኦ ሓበሬታ የለን። ቢቢሲ'ውን እቲ ኩነታት ብነፃ ኣካል ኣየረጋገጾን።
ኣብ ትሕቲ እታ ንሱ ዝመርሓ እዝ -ግንባር ደቡብ፡ ኣርሚታት 24 [ኣብ ኣላማጣ ዝነበረት]፣ 26 [ኣብ ሳምረ ዝነበርት] ፣ 22 [መቐለ] ፣ 44 [ ዓዲ ጉደም] ከምኡ'ውን 43 [ኣብ መዀኒ ዝነበረት] ዝሓቘፈት እያ።
ኣብ 2021 ጆነራል ጆን መዲድ፡ ሓይልታት ትግራይ ዳግመ-ውደባ ኣብ ምግባር ዓቢ እጃም ከምዝነበሮ ይንገረሉ።
ንሱ፡ ብፕረዚደንትነት ኣቶ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ንኽፈርስ ካብ ዝወሰኑ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሓደ ዀይኑ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ሚድያታት ወፂኡ፡ ፖለቲካዊ ትሕዝቶ ዘለዎም መግለፂታት ክህብ ተሰሚዑ ነይሩ።
ኣብ እዋን እቲ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ [2020/21] ፡ ኣዛዚ ኣርሚ 2 መንባሩ ካብ ምንጭታት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ምንጪ ስእሊ, MA
ቅድሚ ዶ/ር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምመፅኡን ህወሓት ናብ መቐለ ምድፍኡን፡ ኣብ ሰራዊት ምክልኻል ልዑል ሓላፈነት ዝነበሮ ጆን መዲድ፡ ብፍላይ ኣብ መወዳእታ ቅድሚ ብጥሮታ መውውፅኡ፡ ዋና ኣዛዚ ምዕራብ እዚ ከምዝነበረ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ኲናት ትግራይ ኣብ 2013 ዓ.ም ካብ ዝጅመር ኣትሒዙ ኣብ ምውዳብ ሰራዊት ትግራይን ኣብ ምምራሕን ዕዙዝ ተራ ከምዝነበሮ ይንገረሉ። ከምኡ ድማ ኣብ ኲናት ትግራይ ከም ነጥቢ መቐይሮ ተገይሩ ዝውሰድ ውግእ ወርቀዲኖ፡ ምስ ጀነለራል ተኽላይ ኣሸብር [ወዲ ኣሸበር] ብሓባር ኰይኖም ነቲ ውግእ ከምዝመርሕዎ ይግለፅ።
ኣብ 13 መስከረም 2019 ዓ.ም ምውላዕ ዳግማይ ውግእ ኣብ ደቡባዊ ትግራይ ስዒቡ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ሓፂር እዋን ናብ ዶባት ኤርትራ ዝተደፍኡ ዀይኖም፡ ሰራዊት ኢትዮጵያን ሓይልታት ሰላም ትግራይን፡ ንርእሰ ከተማ ትግራይ- መቐለ ሓዊሱ፡ ንዝበዝሑ ከባብታት ትግራይ ተቘፃፂሮም ይርከቡ።
ቤት ምኽሪ ምኒስተራት ኢትዮጵያ ብወገኑ፡ ንኽልል ትግራይ ንዝቕጽል ሽዱሽተ ኣዋርሕ ብላዕለዋይነት ዘመሓድር 'ሞግዚት ምምሕዳር' ከም ዘቘመ ይፍለጥ።





















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
