ዮርዳኖስ፡ ሕነ መጥቃዕቲ ቤተ-ክርስትያን ንምፍዳይ ኣብ ሶርያ ቀታሊ መጥቃዕቲ ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, Anadolu via Getty Images
ዮርዳኖስ፡ ሰራዊታ "ግብረ-ሽበራውያን ውድባት" ኢሉ ኣብ ዝጸውዖም ጕጅለታት ኣብ ውሽጢ ሶርያ መጥቃዕቲ ኣካይዳ።
እዚ ስጕምቲ፡ ሕነ ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ሓደ ክርስትያናዊ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘጋጠመን ትሽዓተ ሰባት ዝቐተለን መጥቃዕቲ ንምፍዳይ ዝተገብረ እዩ።
ሰበ-ስልጣን ጥዕና ሶርያ ንማዕከን ዜና መንግስቲ ከም ዝገለጽዎ፡ ኣብ ደቡባዊ ግዝኣት ዳራዓ ኣብ እትርከብ ቍሸት ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ፡ ኣንስቲ፡ ቈልዑን ሓደ ሽማግለ ሰብኣይን ዝርከብዎም ሓሙሽተ ሰባት ተቐቲሎም ኣለዉ።
ዮርዳኖስ ብወገና፡ ናይ ወግእ ነፈርታ "ሓያሎ ግብረ-ሽበራውያን" ከም ዝቐተላን ከም ዘቝሰላን ገሊጻ፤ ይኹን እምበር ተወሳኺ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበትን።
እንተኾነ ምስ መንግስቲ ሶርያ ተወሃሂዳ ከም ዝሰርሐት ካብ ምሕባር ወፃኢ፡ ኣብዚ ጉዳይ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይሃበትን።
ሶርያ ብዛዕባ እቲ ብሰኑይ ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ኣቐዲማ ከም ዘይተሓበረት እያ እትገልጽ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ካራክ ኣብ ዝርከብ ቤተክርስትያን ግሪክ ኦርቶዶክስ ስርዓተ ቀብሪ ኣብ ዝካየደሉ ዝነበረ እዋን ዝተፈጥረ ተዅሲ፡ ትሽዓተ ሰባት ምቕታሉን 34 ሰባት ምቝሳሉን ስዒቡ፡ ዮርዳኖስ ነዚ መጥቃዕቲ ፈዳይ ሕነ ኣካይዳ ዘላ።
ሶርያ፡ ነዚ መጥቃዕቲ ምላሽ ብምሃብ፡ ሓደ ምስ ዮርዳኖስ ዘራኽብ ዶብ ከም ዝዓፀወት ኣፍሊጣ።
ሰብመዚ ሶርያ ኣብቲ ብመራኸቢ ሓፋሽ ዝተፈነወ መግለፂኦም፡ "እዚ ውሳነ ብኹሉ ኣንፈት ካብን ናብን መጓዓዝያ ሰባትን ንግድን ምሉእ ብምሉእ ምቍራፅ ዘጠቓልል እዩ። እዚ ድማ ድሕነት ተጓዓዝትን ኣባላት ሓለዋ ዶባትን ንምርግጋፅ እዩ" ኢሎም።
ሰብመዚ ሶርያ፡ ኣብ ዙርያ መጥቃዕቲ ዝነበሩ ምሉእ ኵነታት ብትኽክል ንምፍላጥን ዝተማልአ ዓሚቝ ምርመራታትንምክያድን፡ ምስ ሰብመዚ ሶርያ "ቀጥታዊ ርክብ ከምዝጀመሩ" ድማ ገሊፆም።
ናሲብ፡ ኣብ መንጎ ዮርዳኖስን ሶሪያን ንተጓዓዝትን ንግዳዊ መጓዓዝያን ዘገልግል ብሕታዊ መሰጋገሪ ዶብ እዩ።
ብሰኑይ ላዕለዎት ሰብመዚ ፀጥታ ዮርዳኖስ፡ ሓይልታት ፀጥታ ዮርዳኖስ ምስቲ ኣብ ቤተክርስትያን ዝተፈፀመ መጥቃዕቲ ርክብ ኣለዎም ንዝበልዎም ክልተ ኣሓዋትን ሓደ ሰብኣይ ሓፍቲን ከም ዝኣሰሩ ገሊፆም ነይሮም።
ዳይሬክቶሬት ፀጥታ ህዝቢ ዮርዳኖስ፡ እቶም ብስም ዘይጠቐሶም "ግብረ-ሽበራውያን" ዝበሎም ሰባት፡ ቅድሚ ብራቕ ጸሓይ ኣብ ካራክ ሰብ ኣብ ዘይነብረሉ ገዛ ተሓቢኦም ነይሮም ኢሉ።
ምኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ዮርዳኖስ ማዘን ኣል-ፋራያ፡ ፈፀምቲ እቲ መጥቃዕቲ ኵሎም ዮርዳኖሳውያን ከም ዝዀኑን፡ ኣብ ጥቓ እቲ መጥቃዕቲ ዝተፈፀመሉ ዝርከብ ገጠር "ኣብ ሓደ ህንፃ ተሓቢኦም ከም ዝነበሩ" ንሓደ ምስ መንግስቲ ርክብ ዘለዎ ኣገልግሎት ፈነወ ተለቪዥን ገሊፁ።




















![ፊልሞን ሓጎስ፣ ኪዳነ ኣንገሶምን ክብሮም ገብረማርያምን [ካብ ጸጋም ናብ የማን] ኣብ 21 ሚያዝያ 2026 ብሞት ተቐጺዖም](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/2266/live/c9828950-553c-11f1-b682-cf91850925ea.png.webp)
