እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሕጻንነቶም ዝተደርበዩ ሰለስተ ኣሕዋት ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ብኸመይ ተራኺቦም?
"ኣብ ውሽጢ ሓደ ቦርሳ፡ ሰማያዊ ክዳን ተኸዲነ እየ ተረኺበ።"
ኣብ ቤልፋስት ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ምጭውትን ፍቕሪ ዝመልኣን ስድራቤት ዝዓበየ ደቪድ ማክብራይድ፡ ካብ ናይ ስጋ ወለዱ ወጻኢ ከም ዝዓበየ ግን ይፈልጥ ነይሩ እዩ።
እንተዀነ ክሳብ ወዲ 15 ዓመት ዝዀነሉን፡ ኣብ ወተሃደራዊ ኣገልግሎት ንምጽንባር ምስክር ወረቐት ልደት ዘውጽኣሉን ግዜ፡ ብዛዕባ መበቈሉ ክሳብ ክንደይ ሒደት ሓበሬታ ከም ዝነበረ ኣይተገንዘበን ነይሩ።
እታ ሰነድ ዳርጋ ባዶ እያ ነይራ። ሓቀኛ ወለዱ መንነት ዘይብሎም ተባሂሎም ሰፊሮም፡ ከምኡ'ውን ከም ቦታ ልደቱን ዕለተ-ልደቱን ዝኣመሰሉ ዝርዝራት ኣይነበሩን።
ዘዕበዮ ኣቦኡ ነቲ ዝፈልጦ ሒደት ሓበሬታ ነገሮ። ማክብራይድ "ዝተረኽበ ሕጻን" ምዃኑን፡ ኣብ ሕጻንነቱ ኣብ ዘይተዓጸወት መኪና ኣብ ናይ ቅድሚት መንበር ተደርብዩ ከም ዝተረኽበን ሓበሮ።
ማክብራይድን ኣቦኡን ብሓባር ኰይኖም ክረኽብዎ ዝኽእሉ ሓበሬታ ንምድላይ ወሰኑ። ኣብ ናይቲ ከባቢ ህዝባዊ ቤተ-መጻሕፍቲ፡ ጋዜጣታት ብምፍታሽ ክምርምሩ ጀመሩ።
ኣብቲ ግዜ እቲ ንሕጻናት ምድርባይ ኣብ ሰሜን ኣየርላንድ ዳርጋ ዘይስማዕ ብምንባሩ፡ እቲ ተረኺቡሉ ዝነበረ እዋን ዓቢይ ኣርእሰተ ዜና ኰይኑ ነይሩ።
ማክብራይድ ከም ዝገልጾ፡ ቤተ-ክርስትያን፡ መብዛሕትኡ ግዜ ካብ መውስቦ ወጻኢ ንዝወለዳ ኣደታትን ሕጻናተንን ሓገዝ - ወይ እንተወሓደ መጽለሊ - ትህብ ነይራ እያ።
"ሓንቲ ሰበይቲ ካብ መውስቦ ወጻኢ እንተ ጠኒሳ፡ ትግለል እያ ነይራ። እቲ ጸገም ድማ ንዅሉ ነገር ናይ ምሕባእ ሃቐነ ነይሩ።"
እቲ ጋዜጣታት ብዙሕ ሓበሬታ እኳ እንተዘይሃቦ፡ ግን ግቡእ ክንክን ይግበረሉ ከም ዝነበረ ነገሮ። "ጽቡቕ ይምገብን ጽቡቕ ይእለን ነይረ።" ኣደኡ ንእሽቶን ሽቝርርትን ከም ዝነበረት ገመተ። ክደልያን ክረኽባን ድማ ወሰነ።
እቶም 'ማናቱ ታርታን'
ዓሰርተታት ዓመታት ሓሊፉ፡ ዋላ እኳ ነዊሕ እንተደለየን ብዛዕባ ዝተረኽቡ ሕጻናት ኣብ ዝዳሎ መደብ ቢቢሲ እንተ ተሳተፈን፡ ማክብራይድ ሒደት መልስታት ጥራይ እዩ ረኺቡ። ድሕሪኡ፡ ብሓብቱ ተተባቢዑ፡ መርመራ ዲ.ኤን.ኤ ክገብር ወሰነ።
እቲ ውጽኢት ንዅሉ ነገር ቀየሮ። ሓንቲ ብስጋ እትዛመዶ ሓፍቲ ነይራቶ። "ዘደንቕ ስንባደ እዩ ነይሩ... ልክዕ ከም በዓለ ልደት ዝመጸ እዩ ዝመስል ነይሩ።"
ስማ ሄለን ዋርድ ይበሃል ነይሩ፤ እንተዀነ ብዛዕባ ኣደኡ ንዘለዎ ሕቶታት ክትምልሰሉ ኣይከኣለትን፤ ንሳ እውን ባዕላ ማዕረ ናቱ ዝኣክል ሕቶታት ነይርዋ - ንሳ'ውን ብሕጻንነታ ተደርብያ እያ ዓብያ።
"ኣብ ውሽጢ ሳንዱቕ ቴሌፎን፡ ኣብ ውሽጢ ቀጠልያ ናይ ታርታን ቦርሳ እየ ተረኺበ" ትብል ዋርድ። "ናይ መጀመርታ ሓሳበይ፡ ንሕና ማናቱ ታርታን ኢና ዝብል እዩ ነይሩ።"
ንሳቶም ግን መናቱ ኣይነበሩን። ብሸውዓተ ዓመት ፍልልይ እዮም ተወሊዶም፤ ከምኡ'ውን ኣብ ዝተፈላለየ ጫፋት ዶብ ኣየርላንድ እዮም ተረኺቦም።
ይዅን እምበር፡ እቲ ምምስሳሎም ኣዝዩ ዝገርም እዩ ነይሩ። "ብሓደ መራሕ-መኪና ጽዕነት እየ ተረኺበ" ትብል ዋርድ። "እቲ ቦርሳ ቺቸቶ (ጸባ ዝመልአ ጥርሙዝ] ቅያር ክዳንን ሒዙ ነይሩ። ኣዝዩ ጽቡቕ ተኸዲነ፡ ማሚቘን ተጠቕሊለን እየ ነይረ።"
ልክዕ ከም ማክብራይድ፡ ዋርድ እውን ኣብ ውሽጢ ሓንቲ ፍቕሪ ዘለዋ ስድራ-ቤት እያ ዓብያ። እንተዀነ ንሳ ባዕላ ኣደ ምስ ኰነት፡ ብዛዕባ እታ ብስጋ ዝወለደታ ኣደኣ ክትፈልጥ ከም ዘለዋ ወሰነት።
ኣብቲ ዝተረኽበትሉ ከባቢ ንዝነበረ ሓደ ሰራሕተኛ ማሕበራዊ ኣገልግሎት ኣዘራረበት'ሞ፡ ማክብራይድ ቅድሚ ዓመታት ዘጋጠሞ ዓይነት ተመሳሳሊ ናይ ልደት ወረቐት ኣርኣያ።
'ኣደ ኣይትፍለጥን'፡ 'ኣቦ ኣይፍለጥን'፡ ከምኡ'ውን 'እታ ሕጻን ኣብ ሳንዱቕ ተሌፎን ተደርብያ ተረኺባ' ዝብል ጽሑፍ ነይርዎ። "ኣዝየ እየ ጕህየ። ብዙሕ ሕቶታት ይህልወካ - ዝዀነ መልሲ ንምርካብ ድማ ኣዝዩ ከቢድ እዩ።"
ዋርድ እውን ኣብተን ዝቐጸላ ዓመታት ናይ ገዛእ ርእሳ ጻዕሪታት ምድላይ ኣካይዳ እያ። ብዛዕባ ውልቃዊ ዛንታኣ ኣብ ሓደ ናይ ራድዮ መደብ ኣዕሊላ፣ ነቲ ኣብ 1969 ጕዳያ ዝሓዘ ፖሊስን ነቲ ንመጀመርታ ዝረኸባ መራሕ-መኪና ጽዕነትን ረኺባቶም።
እንተዀነ ሓንቲ መሓዛኣ ኣብ ገዛ ባዕልኻ እትገብሮ መመርመሪ ዲ.ኤን.ኤ ምስ ዓደገትላ እያ፡ ነቲ ንነዊሕ እዋን ጠፊኡዋ ዝነበረ ሓዋ ዝረኸበቶ። "ዝእመን ኣይነበረን" ትብል። "ንነብሰይ ይቕንጡዋ ነይረ።"
ሓድሽ ድልያ
ኣብ መወዳእታ ገጽ ንገጽ ምስ ተራኸቡን፡ ኣብ ሓድሕዶም ኣካላዊ ምምስሳል ምስ ኣለለዩን፡ እቲ ተመኵሮ ዳርጋ ዘስደምም እዩ ነይሩ። "ንዅሉ ነገር ንምቕባል ትጽዕር፣ ብዙሕ ክትብሎ ትደሊ ነገራት ስለዘሎካ ክትፍንጀር ትደሊ" ትብል ዋርድ እናዘከረት። "ምስ ተራኸብና ብኡንብኡ፡ ኣብ ዙርያና ዝነበረ ኵሉ ነገር ዳርጋ ህልውና ዘይብሉ ኰይኑ እዩ ተሰሚዑኒ" ይብል ማክብራይድ።
እንተዀነ ሓደ ምድላይ ምስ ተዛዘመ፡ ካልእ ምድላይ እንደገና ጀመረ - ምድላይ ወለዲ።
ኣብ መወዳእታ፡ ኣደኦም ንሳቶም ንሓድሕዶም ቅድሚ ምርኻቦም ቅድሚ ሒደት ግዜያት፡ ጓል 90 ዓመት ኣብ ዝነበረትሉ ዕድመ ከም ዝዓረፈት ፈለጡ።
ኣቦኦም ቅድሚ ሓያሎ ዓመታት እዩ ሞይቱ ነይሩ። እንተዀነ ገለ ክፋል ናይ ዛንታኦም ብሓባር ከተኣሳስሩ ክኢሎም። "ኣደና ጓል ሃገረሰብ እያ ነይራ፤ ኣቦና ወዲ ከተማ እዩ ነይሩ" ይብል ማክብራይድ።
"ንሳ ኣመና ትንእሶ ነይራ። እቲ ዘንጸባርቕ ብርሃናት (ናይ ከተማ) ካብ ምዕራባዊ ገማግም ባሕሪ ኣየርላንድ ናብ ደብሊን ስሒቡዋ። ኣቦና ኣብ ደብሊን መራሒ ባንድ እዩ ነይሩ። ምናልባት ናብ ናይ ሳዕስዒት ኣዳራሻት ክትከይድ ከላ እያ ረኺባቶ ትኸውን። ን40 ዓመታት ወይ ልዕሊኡ ዝቐጸለ ርክብ ነይርዎም።"
ማክብራይድ፡ እቲ ርክብ ክሳዕ ክንድዚ ንነዊሕ እዋን እንተደኣ ጸኒሑ፡ ፍቕሪ ነይርዎም ክኸውን ኣለዎ ኢሉ ይኣምን። እንተዀነ እቲ ርክብ ኣዝዩ ዝተሓላለኸ እዩ ነይሩ።
ንሱ ምርዑው እዩ ነይሩ፣ ብሃማኖት ፕሮተስታንት ክኸውን ከሎ፡ ንሳ ግን ካቶሊክ እያ ነይራ። ኣየርላንድ ብሃይማኖታዊ ምፍልላይ ብጽኑዕ ኣብ ዝተመቓቐለትሉን፡ ማሕበራዊ ዓቃባውነት ኣብ ዝነበረሉን እዋን፡ ዴቪድ ንሳቶም ኣዝዩ ብዙሕ ነውሪታት ይጥሕሱ ከም ዝነበሩ ይኣምን።
"ካቶሊክን ፕሮተስታንትን፣ ካብ መውስቦ ወጻኢ ምውላድ... እንታይ ተስፋ ነይርዎም?" ኢሉ ይሓትት።
ይዅን እምበር፡ ሓደ ካልእ - ዘይእመን - ዘገርም ነገር ነይሩ። ዋርድ ኣብ ዓመታት ምድለያ ዘንበበቶ ሓደ ዛንታ ዘከረት፤ እሞ ድማ ከተስተንትን ገበራ፡ ካልእ ሓው ክህልዋ ይኽእል ድዩ? "እቲ ዛንታ፡ ኣብ 1965 ሓደ ሕጻን ኣብ ሳንዱቕ ተሌፎን ተረኺቡ ዝብል እዩ ነይሩ" ትብል። "ኣብ ውሽጢ ቦርሳ፡ ምስ መትሓዚ እዩ ነይሩ። ስለዚ ኵሉ እቲ ፍጻመታት ዛንታኡ ኣካል ናይቲ ናተይን ናይ ደቪድን ዛንታ እውን እዩ ነይሩ።"
ኣብ ኣውስትራልያ እትርከብ ሓንቲ መንእሰይ ጓለንስተይቲ፡ ደቪድን ሄለንን ብዛዕባ ዛንታኦም ብሓባር ዘዳለውዎ መደብ ተሌቪዥን ርእያ፡ ብዛዕባ እቲ ጆን ዝበሃል ኣየርላንዳዊ ኣቦኣ ክትሓስብ ጀመረት። ንሱ ድማ ብሓቂ ናይ ምሉእ-ስጋ ሓዎም ኰይኑ ተረኽበ።
"ንሱ ማእከላይ (ኣብ መንጐኦም ዝተወልደ) ውላድ እዩ ነይሩ" ብምባል ተረድእ ሄለን። "ሰለስቴና ንምርኻብ ኮፍ ምስ በልና፡ ኣዝዩ ዘገርም እዩ ነይሩ። ንስድራቤትካ ትርኢ ኣለኻ። እሞ ድማ ሽሕ ሕቶታት እንደገና ይለዓሉ። እንተዀነ ነታ ህሞት እቲኣ ጥራይ፡ ዘደንቕ እዩ ነይሩ።"
እዚ ዘይተመለሰ ሕቶታትን፡ እቲ ሄለን "ዘይተነግረሉ ዝርርባት" ምስ ወለዶም ክትብል ዝገለጸቶን፡ ምናልባት ፈጺሙ ዘይምላእ ባዶነት ይገድፉ እዮም። ሄለን ትዅን ደቪድ ንኣደኦም ብዛዕባ ውሳነታታ ክፈርዱዋ ከም ዘይክእሉ ይዛረቡ እዮም።
"ንዓኣ ኣዝዩ ዘጨንቕ ነይሩ ክኸውን ኣለዎ" ትብል ሄለን፤ ንሰለስተ ሕጻናት ጥንሳ ተሰኪማ ድሕሪ ምውላዳ ብኡንብኡ ምድርባያ?!
ደቪድ፡ ኣደኦም ከም እኖሓጐ ኰይና ሓንቲ ናይ ቈልዓ ኣሻንጉሊት ሒዛን፡ ካብ ኢዳ ከተውርዳ ኸኣ እናኣበየት እትርእየላ ሓንቲ ቪድዮ ከም ዝረኣየ ይዝክር።
"ኣብ መወዳእታ ህይወታ፡ እቲ ኣእምሮኣ 'እዚ ውላደይ እዩ። ሰለስተ ደቀይ ስኢነ እየ፡ ነዚ ድማ ካባይ ኣይክትወስዱለይን ኢኹም' ይብልዶ ነይሩ ይኸውን ኢለ ይሓስብ።"