ኢትዮጵያ ካብ ሩስያ ብዛዕባ ዝዓደገተን '4ይ ወለዶ' ነፈርቲ ውግእን ጸረ-ኣየርን እንታይ ንፈልጥ?

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ብርክት ዝበላ ምዕቡላት ነፈርቲ ኲናት ካብ ሩስያ ተረኪቡ ከምዘሎ ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ብረቡዕ 28 ጥቅምቲ ብወግዒ ኣፍሊጡ ነይሩ።

እተን ሱ-35 ዝተባህላ 12 ነፈርቲ ኢትዮጵያ ኣቐዲማ ዝኣዘዘተንን ሓደ ዓመት ኣቐዲመን ዝተረከባን ምዃነን ኣቢይ ጠቒሱ'ሎ።

ብዘይካ'ዚ ኢትዮጵያ ብርክት ዝበለ ጸረ- ኣየር ሚሳይላት'ውን ካብ ሩስያ ክትርከብ ምዃና ገሊጻ'ላ።

ኣብቲ ኣብ ከባቢ ርእሰከተማ ሞስኮ ዝርከብ መዓርፎ ነፈርቲ ዙኮቭስኪ ከምዝተኻየደ ዝግለጽ ዘሎ ናይ ምርኽካብ ስነስርዓት ኣዛዚ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ሌ/ጀነራል ይልማ መርዳሳ፡ ከምኡ'ውን ሓላፊ ትካል ኑክሌር ዶ/ር ኣብርሃም በላይ ተረኺቦም ነይሮም።

እዚ ተወሳኺ ምዕቡል ዕጥቂ'ዚ፡ ኢትዮጵያ ኣብ ትሕተ-ሳሃራ ኣፍሪቃ መሪሕ ቦታ ከምእትሕዝ ክገብራ'ዩ ክብል እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ተነይቱ'ሎ።

ንምዃኑ እዘን ነፈርቲ ከመይ ዝበላ'የን? ብልጫታተንከ እንታይ'ዩ?

'ራብዓይ ወለዶ' ሱ-35 ነፈርቲ ውግእ

ፈለማ 'ሱኾይ' ዝብል ስም እንታይ ምዃኑ ምርዳእ ከድልየና'ዩ።

ሱኾይ ወተሃደራዊ፡ ከምኡ'ውን ሲቪላዊ ነፈርቲ ዘፍሪ ዓቢ ሩስያዊ ትካል ኤሮሰፔስ እዩ። ስለዚ ድማ'የን እተን ዘፍርየን ነፈርቲ ሱ-ወይ ሱኾይ (Sukho Su-) ተባሂለን ብስሙ ዝጽውዓ።

ነፈርቲ ውግእ ሱኾይ ኣብ ክልተ ዓበይቲ ምድባት ዝኽፈላ ኰይነን፤ እተን ሓደ ንልምምድ ጥራይ ዘገልግላ (ከም ሱ-27ኤም፡ ሱ-37 'ተርሚኔተር'፡ ከምኡ'ውን ሱ-35ቢኤም) እየን።

እተን ፈለማ ኣብ 1990ታት ዝተቐልቀላ ሱ-35 ዝተባህላ ነፈርቲ ውግእ ብዙሕ ጠለብ ከምዘይረኸባ ይንገረለን።

ድሒረን ካብ 2014 ኣትሒዘን ናብ ስራሕ ዝኣተዋ ሱ-35 ግን ኣዝየን ምዕቡላትን ዘመናውያንን ነፈርቲ ኲናት እየን፤ ዋላ'ኳ ካብ ተራኣይነት ራዳራት ዝተኸወላ እንተዘይኰና።

ኣስታት 22 ሜትሮ ንውሓት፡ ልዕሊ 15 ጐድኒ ክንፊ፡ ከምኡ'ውን ኣስታት 6 ሜትሮ ቊመት ኣለወን።

ኣብ ሰማያት ኣብ ዝበራሉ እዋን ኣስታት 35 ቶን ክብደት ይምዘና። እዘን ሓይሊ ኣየር ሩስያ ዓጢቑወን ዝርከብ ነፈርቲ፡ ዋላ'ኳ ክብደት እንተሃለወን ተዓጻጸፍቲ ምዃነን ሓደ ካብ ብልጫታተን'ዩ።

ክልተ ዓሌት ናይዘን ነፈርቲ (ሱ-35ኤስ ከምኡ'ውን ሱ-30ኤስኤም2 ፍለንከር ኤች' እናተመሓየሻ ዝመጻ ኰይነን ሎሚ ራብዓይ ወለዶ (4++ ወይ 4.5) ተባሂለን ከም ዝፍለጣ ሓበሬታ ዩናይትድ ኤርክራፍት ኮርፖሬሽን (ሱኾይ) የመልክት።

ዝተሰዅዓለን ዲጂታላዊ ተክኖሎጂታት ልዑል ናይ ምውጋእ ዓቕምታት ክውንና ኣኽኢሉወን'ዩ፤ ብዝወሓደ ዋጋ ምስተን ቅድሚአን ዝስርዓ 5ይ ወለዶ ዝዳረጋ ኰይነን ኣለዋ።

ገለ ካብቲ ዝዕጠቕኦ ኣስታት 8 ቶን ዝግመት ኣጽዋር፡ ናይ ሓጺር፡ ማእከላይን ነዊሕን ርሕቀት ዒላማታት ክሃርም ዝኽእል ኣር-73፡ ኣር-77፡ ከምኡ'ውን ኣር-37 ኣየር-ንኣየር ሚሳይላት ይርከቦ።

ናብ ኣብ ባይታ ዘሎ ዒላማታት ዘነጻጸረ ሚሳይላትን ተመራሒን ዘይተመራሒን ቦምባታትን'ውን ካብ ቀንዲ ዕጥቅታት ናይተን ነፈርቲ'ዩ።

ነተን ነፈርቲ ዝተረከበት ፈላሚት ኣፍሪቃዊት ሃገር ኣልጀሪያ ክትከውን እንከላ፡ ግብጺ ብወገና ነተን ነፈርቲ ክትገዝእ ዝኣተወቶ ውዕል ቊጠባዊ ምኽኒት ብምፍጣር ከምዝሰረዘቶ ይግለጽ።

ካይሮ፡ ኣብ 2019 ኣስታት 2 ቢልዮን ዶላር ዝግመታ 20 ሱኾይ-35 ክትገዝእ'ያ ጠሊባ ነይራ።

እንተኾነ፡ መሓዛኣ ዝኾነት ኣመሪካ በቲ ስጉምቲ ባህ ከምዘይበላ ኣፍሊጣ ነይራ።

ግብጺ፡ ዓመታዊ ኣስታት 1̄.3 ቢልዮን ዶላር ዝግመት ወተሃደራዊ ደገፍ ካብ ዋሽንግተን ከምእትቕበል ይንገር።

ቻይና'ውን እታ ፈላሚት ነተን ነፈርቲ ዝዓደገት ሃገር ምዃና ይፍለጥ። ኣብዚ እዋን'ዚ ልዕሊ 150 ሱ-35 ኣብ ኢድ ሓይሊ ኣየር ሩስያ ከምዘለዋ ይፍለጥ። ኢራን'ውን ነተን ነፈርቲ ንምውናን ምስ ሞስኮ ስምምዕ ፈሪማ ነይራ።

ገለ ካብተን ብሃገራት ምዕራብ ዝማዕበላ ምስ ሱ-35 ዝዳረጋ ነፈርቲ ኲናት ቦይን ዝሰርሐን ኤፍ-15ኢኤክስ (ኣመሪካ)፡ ዩሮፋይተር ታፉን (ብሪጣንያ፡ ጀርመንን ኢጣልያን)፡ ከምኡ'ውን ራፋኤል-ኤፍ4 (ፈረንሳ) እየን።

ብኽልቲኡ ወገን 5ይ ወለዶ ተባሂለን መሪሕ ቦታ ሒዘን ዘለዋ ነፈርቲ ኲናት ሓይሊ ኣየር ሩስያ ዝዓጠቐን ሱ-57፡ ከምኡ'ውን ሓይሊታት ኣየር ኣመሪካን ብሪጣንያን ዝውንንወን ኤፍ-35 ኰይነን፡ ሓደ ካብ ብልጫታተን ናይ ዘይተራኣይነትን ወይ ሰላሕታ (ስተልዝ) ዓቕመን'ዩ።

ኢትዮጵያ ብወተሃደራዊ ሓይሊ ካብ 145 ሃገራት፡ ኣብ መበል 47 ደረጃ ተሰሪዓ ከምእትርከብ ሓደ ፋየርፓወር ዝተባህለ ትካል መጽናዕቲ ኣብ ፈለማ ናይዚ ዓመት ሓቢሩ ነይሩ።

ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ ወተሃደራዊ ዓቕሚ ንምሕያል ኣብ ምህናጽ ትሕተቅርጺታት፡ ስልጠናታትን ምዝማንን ዕጥቂ ሰፊሕ ወፍሪ ክገብር ጸኒሑ'ዩ።

ብፍላይ ሓይሊ ኣየር እታ ሃገር ኣብ ሰራዊት ምክልኻል መሪሕ ተራ ክህልዎን ድሮናት ከምዝዓጥቕን ንምግባር ፍሉይ ቆላሕታ ክገብረሉ ምጽንሑ ይፍለጥ።

ብዘይካ እዘን ዝተረከበን ሓደስቲ ነፈርቲ፡ እቲ ሓይሊ ኣየር ነዘን ዝስዕባ ይውንን፡

  • ብዝሒ ተዋጋእቲ ነፈርቲ - 25 (24.0%)፤ ድልውነት 15፡ እዚ ድማ ኣብ መበል 46 ደረጃ የቐምጣ።
  • ነፈርትን ድሮናትን ሓዊሱ ንመጓዓዝያ ዘገልግላ ነፈርትን- 9 (8.7%)፣ ድልውነት 5፣ እዚ ድማ ኣብ መበል 42 ደረጃ የቐምጣ።
  • ኣሰልጠንቲ ተዋጋእቲ ነፈርቲ - 34 (32.7%)፤ ድልውነት 20፡ እዚ ድማ ኣብ መበል 48 ደረጃ የቐምጣ።
  • ብዝሒ ሄሊኮፕተራት - 33 (31.7%)፤ ድልውነት 20፣ በዚ ድማ ኣብ መበል 67 ደረጃ ተሰሪዓ።
  • መጥቃዕቲ ዝፍጽማ ሄሊኮፕተራት - 7 (6.7%)፤ ድልውነት 4፣ እዚ ድማ ኣብ መበል 38 ደረጃ ይሰርዓ።

ኤስ-400 ጸረ-ኣየር ሚሳይል እንታይ'ዩ ብኸመይከ ይሰርሕ

ኢትዮጵያ ብዘይካ እዘን ነፈርቲ ውግእ ምዕቡል ጸረ-ኣየር ሚሳይላት'ውን ክትውንን ምዃና ኣፍሊጣ'ላ።

ብመሰረት እቲ ቀዳማይ ምኒስተር ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ኣርባዕተ 'ባትሪታት' S-400 ሚሳይላት'ያ ትጽበ ዘላ።

'ባትሪ' ዝብል መጸውዒ ንሓደ ኣሃዱ ስርዓተ-መዳፍዕን ሚሳይላትን ዝውክል እዩ። ስለዚ ኣርባዕተ ባትሪታት ኤስ-400 ኣርባዕተ ተሸከምቲን ናይ መራኸቢታትን ድሩዓት መካይን ዘጠቓለለ ጕጅለታት ናይቲ ዕጥቂ ማለት'ዩ።

ነፍሲወከፍ ስርዓተ-ምክልኻል ናይቲ ሚሳይላት ምስ ሓበሬታ ራዳርን ዒላማታትን ተወሃሂዱ ዝሰርሕ ምዃኑ ይፍለጥ።

ፈለማ ኣብ ርሑቕ ዝርከብ መቈጻጸሪ ራዳር፡ ነቲ ዒላማ ረኺቡ፡ ነቲ ሓበሬታ ናብታ መአዘዚት ተሽከርካሪት ይሰዶ።

እቲ ዒላማ ምስ ተለለየ ድማ፡ እታ መአዘዚት ተሽከርካሪት እቲ ሚሳይል ክትኮስ ትእዝዝ።

እቲ ትእዛዝ፡ ናብታ ኣብ ዝሓሸ ቦታ ዘላ ሚሳይል ዝጸዓነት ድርዕቲ ተሽከርካሪት ይለኣኽ፡ ሽዑ ድማ እቲ ሚሳይል ይውንጨፍ።

ምስቲ ሚሳይል ርክብ ዘለዎ መቈጻጸሪ ራዳር ድማ፡ ነቲ ሚሳይል ናብ ዒላማኡ ይመርሖ።