እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ብወደብ ምጽዋዕ ንህወሓት ዝተመሓላለፈ ኣጽዋር ከም ዝማረኹ' ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ገሊጹ
ኤታማዦር ሹም ሰራዊት እታ ሃገር ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ: ሰንበት 25 ጥቅምቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተጸንበለ መበል 119 ዓመት በዓል ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ብወደብ ምጽዋዕ ዝኣተወ ኣጽዋር ካብ ዕጡቓት ህወሓት ከም ዝተማረኸ ተዛሪቡ።
እቲ ኤታማዦር ሹም፡ ኣብቲ ካብ 23 መስከረም ኣትሒዙ ዳግማይ ዝተወለዐ ውግእ፡ ብወደብ ምጽዋዕ ኣቢሉ ናብ ህወሓት ዝተመሓላለፈ ንሓንቲ ንእሽቶ ሃገር ዝኣክል ወተሃደራዊ ኣጽዋር ከም ዝማረኹ ኣፍሊጡ።
ንሱ፡ መሪሕነት ህወሓት ናብታ ኣብ ደቡባዊ ኤርትራ እትርከብ ከተማ "መንደፈራ ኣትዮም ኣለዉ" ክብል እውን ተሰሚዑ።
ማእከል ትዅረት መደረ'ቲ ኤታማዦር ሹም፡ ብዛዕባ'ቲ ብ23 መስከረም ዝተወልዐን፣ ሰራዊት ፈደራልን መሻርኽቲ ሓይልታቱን ንዓበይቲ ከተማታት ትግራይ ብዛዕባ ዝተቘጻጸሩሉን ኲናት እዩ ነይሩ።
እዚ ውግእ ዝተወልዐ፡ ህወሓት፡ ብሄራዊ ምንቅስቓስ ፋኖ ኣምሓራ (ኣፋብን)ን ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞን ሓዊሱ ሸውዓተ ዕጡቓትን ፖለቲካውያን ውድባትን ጥምረት ከም ዝመስረቱ ድሕሪ ምእዋጆም ኣብ ሒደት መዓልታት እዩ።
'ሕብረት ህዝባዊ ሓይልታት ኢትዮጵያ ንህልውና' ዝተባህለ ጥምረት፡ "መሰጋገሪ መንግስቲ" ንምምስራት ክንቀሳቐስ ምዃኑ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብ መደርኡ፡ " 'ሰራዊት ምክልኻል ከነፍርስ ኢና፣ መሰጋገሪ መንግስቲ ከነምጽእ ኢና' ዝብሉ ደፋራት ባንዳታት ተፈጢሮም ኣለዉ" ኢሉ።
ነቶም ዕጡቓት "ቀንዲ ዓንዲታት ሃገር ብምፍራስ፣ ሃገር ክትፈርስ ዝተመነዩ" ክብል ዝገለጸ እቲ ጠቕላሊ ኤታማዦር ሹም፡ "ብታሪኻውያን ጸላእቲ ኢትዮጵያ እናተደፍኡን ቋንቋኦም ዝተደባለቐ፣ ተገንጸልትን ኣሸበርትን፣ ተሰከምቲ ተልእኾ ባዕዳውያን ዝዀኑ ፍጡራት" ክብል ኣምሪሩ ከሲሱ።
ኣብቲ ቅድሚ ሓደ ወርሒ ዝጀመረ ኲናት፡ ግብጺ፣ ሱዳንን ኤርትራን ኢደን ከም ዘእተዋ ብምግላጽ ፈደራል መንግስቲ ዘቕረቦ ክሲ ደጊሙ ኣልዒሉ።
"ካብ ግብጺ ክሳብ ካርቱምን ኣስመራን ዝተዋደደ" ክብል ዝገለጾ ጥምረት፡ "ንህወሓት ብምልኣኽ ኣብ ግምባራት ሰሜን ወሎ፡ ዋግን ዓፋርን ኲናት ከም ዝኸፈተ" ገሊጹ።
ይዅን እምበር "ባዕሉ ኣብ ዝኸፈቶ ኲናት ከምዘይነበረ ኰይኑ ኣሎ" ኢሉ።
ኣብዚ ኲናት ብኤርትራ ኣቢሉ ዝኣተወ ዝበሎ ልዑል መጠን ዘለዎ ኣጽዋር ኲናት ምሓዞም'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
"ብወደብ ምጽዋዕ ዝተመሓላለፈሎም ንሓንቲ ማእከላይ ዓቕሚ ዘለዋ ሃገር ዝኸውን ዕጥቂ ምክልኻል ሰራዊትና ተቘጻጺርዎ ኣሎ" ክብል ተዛሪቡ።
"ሰራዊትና ብፍትሒ እግዚኣብሄር እናተመርሐ ንሸውዓተ ጕጅለታት ጽምዶ፡ ሓይልታት ምትሕብባር፡ ብድሕሪት ዝነበሩ ሰለስተ ናይ ወጻኢ ሓይልታትን ስዒሩ እዩ" ኢሉ።
"ንሰራዊት ምክልኻል ዝተመነይዎ ምፍራስ ንባዕሎም ጨሊጦምዎ፣ ንብረት ትግራይ ጽዒኖም ናብ መንደፈራ ኣትዮም ኣለዉ" ብምባል መራሕቲ ህወሓት ናብ ኤርትራ ሰጊሮም እዮም ዝብል ክሲ ኣቕሪቡ።
ኢትዮጵያ ንባዕላ፡ ብፍላይ ካብታ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ቀንዲ መዋሊት ዳዕመ-ሰሪዕ ምዃና እትኽሰስ ኢማራት ገዚፍ ወተሃደራዊ ሓገዛት ከም እትረክብ እዩ ዝግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ኲናት ትግራይ ኢማራት ቀንዲ መሻርኽቲ ኢትዮጵያ ኰይና፡ ወሳኒ ንዝነበረ ኣጽዋራት ቴክኖሎጂ ድሮን ብምቕራብ ስማ ክለዓል ጸኒሑ እዩ።
ሓይልታት ትግራይ "ስትራተጂያዊ ምዝላቕ" ጌርና ምባሎም ብምጥቃስ ድማ፡ "ኣብ ጥበብ ውትድርና ምዝላቕ ማለት ንዅሉ ዓቕምኻ ደርቢኻ ኣብ ዓሰርተ መዓልታት ካብ ሰሜን ወሎ፡ ዓፋር ናብ መንደፈራ በጺሕካ ክትርከብ ማለት ኣይኰነን" ክብል ድማ ኣስሚሩሉ።
እዚ ኲናት ካብ ዝጅምር ክልተ ግዜ መግለጺ ዝሃበ ኣቦ መንበር ህወሓት ዶ/ር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ነቲ ኣብ ባይታ ዝተፈጥረ ወተሃደራዊ ኵነታት ኣመልኪቱ ሰራዊት ትግራይ ኣብ ዝተፈለለየ ከባቢታት ይዋጋእ ከም ዘሎን እቲ ኲናት ተንቀሳቓሲ ብምዃኑ ሓይልታት ፈደራል ገለ ቦታታት ትግራይ ከም ዝሓዙን ገሊጹ እዩ።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ብፍላጥ ዝውሰድ ዘሎ ስትራተጅያዊ ስጕምቲ ምዃኑ ብምሕባር፡ "ንጸላኢ እንወቕዖ ኣብ ንመርጾ ቦታ እምበር፡ ንሱ ኣብ ዝመረጸልና ኣይኰነን፡" ኢሉ ነይሩ።
ነዚ ድማ ምስቲ ኣብ 2021 ዝተኻየደ 'ወፍሪ ኣሉላ'ን ቅድሚኡ ዝነበረ ናይ 17 ዓመታት ብረታዊ ቃልሲ ዝነበረ ተመኵሮን ብምዝማድ፡ እቲ ጕዕዞ ነዊሕን መስዋእቲ ዝሓትትን እኳ እንተዀነ፡ ሓይልታት ትግራይ ብብዝሒ ሰራዊት ኰነ ብኣጽዋር ከም ዘይስዓሩን ኣብ መወዳእታ ናብ ጐደና ዓወት ከም ዘምርሑን ምዝራቡ ይዝከር።
ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ጁላ ኣብዚ ናይ ሰንበት መደረኡ፡ "[ህወሓት] ሕጂ ናብ መሻርኽቱ ሻዕብያ ከይዱ ኣሎ። ንህወሓት ሓሙሻይ ግዜ ዕንቅፋት ከይሃርሞ ዝገትኦ ኣእምሮ የብሉን። ኰይኑ ግን ሓሙሻይ ዕድል ከም ዝህልዎ ኣይንገብርን" ኢሉ።
መራሕቲ ህወሓት ናብ ኤርትራ ሰጊሮም ዝብል ክሲ፡ ህወሓትን መንግስቲ ኤርትራን ኣብዚ ቐረባ መዓልታት ነጺጎምዎ ነይሮም። ምክትል ኣቦ መንበር ህወሓት ኣማኑኤል ኣሰፋ "እቲ መሪሕነት ኣብ ውሽጢ ትግራይ ይዓዪ ኣሎ" ክብል ንኣገልግሎት ዜና ፈረንሳ ተዛሪቡ ነይሩ።
ምኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል'ውን ብተመሳሳሊ ነቲ ክሲ "ሓሶት" ክብል ምንጻጉ እቲ ኣገልግሎት ዜና ጸብጺቡ። መንግስቲ ኤርትራ ንኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዝንቀሳቐሱ ዕጡቓት ይድግፍ እዩ ብዝብል ዝቐረበሉ ክሲታት ኲናት ንምውላዕ ዝቐርብ ምስምስ እዩ ክብል ይነጽጐ።
ኢትዮጵያ "ብጉልባብ ርእሰ-ምክልኻል" ኣብ ልዕሊ ሓንቲ ልኡላዊት ኣባል ሃገር ውድብ ሕቡራት ሃገራት እትፍጽሞ ዘላ ኲናት ምኽንያታዊ ንምግባር ትፍትን ኣላ ክትብል ኤርትራ ንቤት ምኽሪ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ዝለኣኸቶ ደብዳበ ኣፍሊጣ።
ግብጽን ሱዳንን እውን ብተመሳሳሊ ነቲ ክስታት ነጺገናኦ እየን።
ጠቕላሊ ኤታማዦር ሹም ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ ኣብ መደረኡ ጕዳይ ማይ ኣባይን ቀይሕ ባሕርን'ውን ኣልዒሉ።
ንኣባይ "ተፈጥሮኣዊ ጸጋ ኢትዮጵያ" ኢሉ ብምግላጽ፡ ንቀይሕ ባሕሪ ድማ "ንሕና ኢትዮጵያውያን ክንጥቀመሉ ፈጣሪ ዘዳለዎ ባሕሪ" ኢሉ ጠቒሱዎ።
"ክልቲኡ ማያት ነቲ ዞባ እኹል እዩ" ብምባል ድማ ፊልድ ማርሻል ብርሃኑ፡ "ኰይኑ ግን በይኑ ክጥቕልል ንዝደሊ ስሱዕ ንቃለስ ኣለና" ኢሉ።
"መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰራዊት ምክልኻልን ካብ ክልቲኡ ማያት ዝርከብ ረብሓ ኢትዮጵያ ካብ ምኽባር ወጻኢ ኣማራጺ የብሎምን" ክብል'ውን ተዛሪቡ።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ንዝሓለፈ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ቀይሕ ባሕሪ ኣፍደገ ንምርካብ ዘለዎ ድሌት ክገልጽ ጸኒሑ እዩ።
እቲ ብዝተፈላለዩ ሰበስልጣን እታ ሃገር ክስማዕ ዝጸንሐ ጉዳይ ካብ ቀንዲ ኣጀንዳታት መንግስቲ፡ ወደብ ዓሰብ ብቐዳምነት ዝለዓል ኰይኑ፡ ኣብዚ ዝሓለፈ ዓመታት "ኢትዮጵያ ወደብ ዝሰኣነትሉ መንገዲ ቅኑዕ ኣይኰነን፤ እቲ መስርሕ ዳግም ክምርመር ኣለዎ፤ እንተ ብፍቶት እንተ ብሓይሊ ወደብ ምርካብና ዘይተርፍ እዩ..." ብዝብል ቃና፡ ክስምዑ ዝጸንሑ ትረኻታት ብወገን ኤርትራ ዕቱብ ምላሻት ኣስዒቡ እዩ።
ብሰንኪ እዚ ጉዳይ ምስ ኣዲስ ኣበባ ትተፋነን ዘላ ኣስመራ፡ "ነቲ ማያዊ ግዝኣታ ብሓይሊ ክትሕዞ ትዳሎ ኣላ" ዝብል ክሲ ከተስምዕ ጸኒሓ ኣላ።