እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ህይወት 19 ቈልዑ ዘድሓነ ኤብሮ፡ ኣብ ኤርትራውያን ዝፈጠሮ ሓበን ከም ዘሐጐሶ ገሊጹ
ኣብ ኣመሪካ፡ ክፍለ-ግዝኣት ሚነሶታ ከተማ ሰይንት ፖል፡ ሓደ ኤርትራዊ መበቈል ዘለዎ መንእሰይ፡ መራሒኣ ብዘጋጠሞ ሃንደበታዊ ጸገም ጥዕና ቍጽጽራ ስኢና ብጐደና ትጓዓዝ ዝነበረት ናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶቡስ ደይቡ ብምዕጋት ን19 ቈልዑን ነቲ መራሕን ካብ ከቢድ ሓደጋ ድሕሪ ምድሓኑ፡ ኣብ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዓቢ ናይ ሓበን ስምዒት ፈጢሩ።
እዚ መንእሰይ፡ ነቲ ጅግንነታዊ ስጕምቲ ንምውሳድ ብናይ ቍርኣን ጥቕስን 'ግሬይስ ኣናቶሚ' ዝተባህለ ናይ ሕክምና ተለቪዥን ድራማን ከም ዝተደረኸ ብምሕባር፡ ልዕሊ ኵሉ ግን ነዚ ስጕምቲ ብምውሳዱ ንማሕበረሰቡ ብጽቡቕ መልክዕ ክውክል ብምኽኣሉ ፍሉይ ሓበን ከም ዝስምዖ ገሊጹ።
ወዲ 27 ዓመት ዝዀነ ኤብሮ ኣሕመድ፡ ኣብ ቅድሚ ናይ ስድራኡ ድኳን ብዛዕባ ዝወሰዶ ቅልጡፍ ስጕምቲ ኣመልኪቱ ክዛረብ ከሎ፡ "እዚ ዝገበርክዎ ንውልቀይ ኢለ ዘይኰነስ፡ ምእንቲ ፈጣሪ ኢለ ንህይወት ካልኦት ቀዳምነት ብምሃብ ዝወሰድክዎ ስጕምቲ እዩ ነይሩ፡" ኢሉ።
ኤብሮ ምስ ጋዜጣ ዘ ጋርድያን ኣብ ዝገበሮ ቃለ-መሕትት፡ ኣብቲ ስጕምቲ ዝወሰደሉ ወሳኒ ካልኢት ዝተዘከሮ ጥቕሲ፡ "ሓንቲ ህይወት ምድሓን ንዅሉ ምድሓን እዩ" ዝብል ካብ ቍርኣን ሱራ ኣል-ማኢዳ (ፍቕዲ 32) ዝተወስደ ምዃኑ ብምሕባር፡ እዚ ድማ ኣብ ከቢድ ህሞት ንኽዋሳእ ዓቢ መንፈሳዊ ድርኺት ከም ዝፈጠረሉ ኣረዲኡ።
ብተወሳኺ፡ ኣሕመድ ብዛዕባ እዚ ስጕምቲ ንመሻርኽቲ ቢቢሲ ዝዀነ ሲቢኤስ ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ዋላ'ኳ ዝዀነ ናይ ሕክምና ተመኵሮ እንተ ዘይብሉ፡ እቲ 'ግሬይስ ኣናቶሚ' ዝተባህለ ናይ ሕክምና ተኸታታሊ ናይ ተለቪዥን ድራማ ሓካይም ኣብ ከቢድ ኵነታት ከይተሰናበዱ ውሳነ ክወስዱ ብምርኣዩ፡ ኣብዚ ሃንደበታዊ ኵነታት ብኸመይ ህዱእ ኴንካ ስጕምቲ ከም ዝውሰድ ከም ዘስተምሃሮን ዘተባብዖን ገሊጹ።
እቲ ዘሰንብድ ፍጻመ ዝተኸስተሉ ሰኑይ 19 ጥቅምቲ ድሕሪ-ቐትሪ፡ ኤብሮ ኣብ ሰይንት ፖል ኣብ ዝርከብ ናይ ቤተሰቡ ድኳን ዕረፍቲ እናወሰደ፡ ኵዕሶ እግሪ እናተጻወተን ተሌፎኑ እናተጠቐመን ኣብ ዝነበረሉ ህሞት፡ ሓንቲ ብጫ ናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶቡስ ማዕጾኣ ተኸፊቱ፡ መብራህታ እናበርሀ ብ16 ኪሎሜተር ኣብ ሰዓት እናተጓዕዘት ብጐደና ክትወርድ ከላ ረኣየ።
ኣሕመድ ናብቲ መራሕ ኣውቶቡስ ምስ ጠመተ፡ ዓፍራ ካብ ኣፉ ክወጽእ ብምዕዛቡ፡ ከቢድ ናይ ጥዕና ጸገም ከም ዘጋጠሞ ንእለቱ ተረዲኡ።
ብተፈጥሮኣዊ ድርኺት ብጕያ ናብታ ትኸይድ ዝነበረት ኣውቶቡስ ብምጕያይ ብማዕጾኣ ዘሊሉ ደየበ።
ኣብታ ኣውቶቡስ ዝነበሩ 19 ቈልዑ ብፍርሒ እናወጨጩ ኣብ ዝነበርሉ ህሞት፡ ኣሕመድ ነታ ኣውቶቡስ ደው ንምባል ብቕጽበት ስጕምቲ ክወስድ ከኣለ።
ቅድሚ ሕጂ ኣውቶቡስ ዘዊሩ ስለ ዘይፈልጥ ኣብ መንጎ ማርሻታት ቍሩብ ተደናጊሩ ነታ ኣውቶቡስ ብጌጋ ንድሕሪት እኳ እንተ ኣንቀሳቐሳ፡ ብቕጽበት ግን ናብ ባዶ ማርሻ ብምቕያር ነቲ ናይ ህጹጽ እዋን ፍሬኖ ብምስሓብ ደው ኣበላ።
ድሕሪኡ ድማ ነቶም ተመሃሮ ናይ ህጹጽ ረድኤት ክጽውዑ ሓበሮም።
ብመሰረት ጸብጻብ ሃገራዊ ባይቶ ድሕነት፡ ኣብ መላእ ኣመሪካ መዓልታዊ ኣስታት 20.3 ሚልዮን ተመሃሮ ብናይ ቤት ትምህርቲ ኣውቶቡስ ይጓዓዙ።
እዚ ገዚፍ ቍጽሪ ድማ ከምዚ ናይ መራሕቲ ኣውቶቡስ ሃንደበታዊ ናይ ጥዕና ጸገም ሳሕቲ ክኽሰት ከም ዝኽእል የርኢ።
ናይ ሰይንት ፖል ህዝባዊ ኣብያተ-ትምህርቲ ምምሕዳር ከም ዘረጋገጾ፡ ኣብቲ ፍጻመ ኣብ ልዕሊ ዝዀነ ተመሃራይ ዝበጽሐ ጕድኣት የሎን።
እቶም ተመሃሮ ጕዕዞኦም ንምቕጻል ካልእ ኣውቶቡስ ዝተላእከሎም ኰይኑ፡ እቲ መራሕ ኣውቶቡስ ድማ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ ሕክምና ድሕሪ ምውሳዱ ኣብ ቤቱ የዕርፍ ኣሎ።
ኣብ ኣመሪካ ዝተወልደ ኣሕመድ፡ ካብ ኤርትራ ዝተሰዱ ስድራኡ ኣብ ሰይንት ፖል ዘካይድዎ ንኡስ ትካል ንግዲ፡ ኣብ ካልኣይ እብረ ስልጣን ፕረዚደንትነት ዶናልድ ትራምፕ ዝተኻየደ ናይ ስደተኛታት ምጥራዝ ወፍሪ ስዒቡ ቍጠባዊ ጸቕጢ ከም ዘጋጠሞ ይሕብር።
በቲ ናይ ትራምፕ ምምሕዳር 'ኦፕሬሽን ሜትሮ ሰርጅ' ዝተሰምየ ወፍሪ ምጥራዝ ምኽንያት፡ ስደተኛታት ካብ ምጥራዝ ብዘለዎም ፍርሒ ካብ ቤቶም ብዘይምውጻኦም፡ ምንቅስቓስ ዕዳጋኦም ኣዝዩ ከም ዘንቈልቈለ ኣሕመድ የረድእ።
"ከም ንእሽቶ ምብራቕ ኣፍሪቃዊ ትካል ንግዲ፡ ኣዝዩ ከቢድ ቍጠባዊ እዋን እዩ ነይሩ፡" ክብል ይገልጽ።
ይዅን'ምበር፡ እዚ ሕጂ ዝወሰዶ ስጕምቲ ንኤርትራውያንን ዜጋታት ምብራቕ ኣፍሪቃን "ብጽቡቕ መልክዕ ንምውካል" ዕድል ብምፍጣሩ ዓቢ ዕግበት ከም ዘሕደረሉ ይዛረብ።
ኣሕመድ ንማዕከን ዜና ኤምፒኣር ኒውስ ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣብ ከምዚ ዝበለ ሃንደበታዊ ኵነታት ብቕጽበት ስጕምቲ ንኽወስድ ካብ ዝሓገዝዎ ካልእ ረቛሒታት፡ ኣብቲ ኣብ ሚነሶታ ዝርከብ ናይ ኤርትራውያን-ኣመሪካውያን ናይ መንእሰያት ማሕበር ዝዀነ "ደንደን ስፖርት ክለብ" ዝቐሰሞ ስፖርታዊ ቅልጣፈን ናይ ሓባራዊ ምትሕግጋዝ መንፈስን ምዃኑ'ውን ገሊጹ።
ኣሕመድ ብዘርኣዮ ተወፋይነት፡ ካብ ሓደ ናይቲ ከባቢ ናይ ዕዳጋን ሜድያን ትካል ናይ 1,000 ዶላር ሽልማት ዝተዋህቦ ኰይኑ፡ ብኣባል ባይቶ ከተማ ሰላምታ ተዋሂብዎ፡ ኣብ ናይ ዘተ መድረኽ ክሳተፍ ድማ ዕድመ ቀሪብሉ ኣሎ።
እቲ ፍጻመ ኣብ ማሕበረሰብ ኤርትራውያን ዝፈጠሮ ናይ ሓበን ስምዒት ከም ዘሐጐሶ ብምሕባር፡ "ብጽቡቕ መልክዕ ክውክሎም ብምኽኣለይ ዓቢ ሓበን ይስምዓኒ፡" ክብል ተዛሪቡ።